ኡጋንዳን ኬንያን ኣብ ኣጠቓቕማ ሻምብቆታት ነዳዲ ይፈላለያ

Radio Erena: Wednesday, 10 January 2024

ኡጋንዳ ኣፍደገ ባሕሪ ካብ ዘይብለን ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ እያ። ብባሕሪ እትገብሮ ንግዲ ድማ ንወደባት ኬንያን ታንዛንያን እያ እትጥቀም።

ኡጋንዳ ሓደ ካብቲ ኣውራ ብባሕሪ እተእትዎ ነገራት ነዳዲ እዩ። ብዓበይቲ መካይን ተጻዒኑ ኣማኢት ኪሎሜትራት ሰጊሩ ዝመጽእ ነዳዲ ኣህላኺ ብምዃኑ፣ ኡጋንዳ ብቐጥታ ምስ ወደባት ኬንያ ወይ ታንዛንያ ዘራኽባ ሻምብቆታት ነዳዲ ክትሃንጽ ውጥን ሓንጺጻ ትርከብ::

ካብ ኬንያ ዝብገስ ሻምብቆታት ነዳዲ ኣስታታ 350 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ኮይኑ ካብ ታንዛንያ ድማ ልዕሊ ሓደ 1400 ኪሎሜተር ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኡጋንዳ ናይ ኬንያ ሻምብቆታት ነዳዲ ክትጥቀም ሓቲታ ኔራ። እንተኾነ ኬንያ ነቲ ናይ ኡጋንዳ ጠለብ ስለዝነጸገቶ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጎረባብቲ ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ይርከብ።

ብተግባራት ኬንያ ዝተቖጥዐት ኡጋንዳ፣ እቲ ጉዳይ ብቤት ፍርዲ ፍትሒ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክርአ ጥርዓን ኣቕሪባ።

ኣቐዲመን ጥቡቕ ዝምድና ዝጸንሐን ኡጋንዳን ኬንያን፣ ድሕሪ ምምጻእ ፕረዚደንት ዊልያን ሩቶ ናብ ስልጣን፣ ካብ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ርክበን ይዝሕትል ምህላዉ ይጥቀስ።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0