ጭፍራ መራኽብ ኵናት ሩስያ ኣብ ኣብ ጂቡቲ ቀንየን

Radio Erena: 05 April 2023

ጭፍራ መራኽብ ኵናት ሩስያ፣ ኣብ ወደብ ጂቡቲ ከምዝቐነያ ተሓቢሩ።

ጋዜጣ ሩስያ ቱደይ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ኣድሚራል ጎርሽኮቭን ካማን ብዝተባህላ ክልተ ዓበይቲ መራኽብ ኵናት ዝተመርሓ እተን ጭፍራ፣ ብ26 መጋቢት ናብ ወደብ ጁቡቲ ድሕሪ ምጽግዐን ኣብታ ሃገር ንሳልስቲ ከምዝጸንሓ ኣረጋጊጻ።

ምስተን መራኽብ ዝመጹ ወትሃደራውያን መኮንናት ምስ ጁቡታውያን መዛንኦም ብምርኻብ ኣብ ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ምይይጥ ከምዘካየዱ፣ ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ጂቡቲ ብወገኑ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ኣፍሊጡ።

ዕላማ ዑደት እተን መራኽብ፣ ብቀንዱ፣ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፣ ውሕሱ ምንቅስቓስ ባሕርያ ንምርግጋጽ ብዝምልከት ምስ ጂቡቲ ንምምይያጥ ምዃኑ ዘነጸረ እቲ ኤምባሲ፣ ንእግረ መንገዱ፣ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት፣ ኣብ 03 ሚያዝያ 1978 ዝጀመረሉ መበል 45 ዓመቱ ንምዝካር ምዃኑ ጠቒሱ።

ኣብ ጂቡቲ፣ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ፣ ፈረንሳን ቻይናን ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ቀዋሚ መደበር ሓይሊ ባሕሪ እተናዲ ሩስያ ብወገና፣ ምስ ሱዳን፣ ኤርትራን ጂቡቲን ትመያየጥ ከምዘላ ክሕበር ጸኒሑ’ዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ምስ ሩስያዊ መዘንኡ ሰርጌ ላቭሮቭ፣ ዝሓለፈ ውርሒ ኣብ ከተማ ሶቺ ተራኺቡ ክመያየጥ እንከሎ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ብወገኑ፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሰነ ንተመሳሳሊ ዘተ ናብታ ሃገር ገይሹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ሩስያ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እተቛምቶ ዘላ ምህናጽ መደብ ሓይሊ ባሕሪ፣ ኣብ ካልእ ክፍሊ ኣህጉር ኣፍሪቃ’ውን ወትሃደራውያን ፖለቲካውያን ጽልዋታታ ንምስፋሕ ዝዓለመ፣ ብሚኒስተር ሰርጌ ላቭሮቭ ዝምራሕ ብተደጋጋሚ ዑደት ተካይድ ምህላዋ ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0