ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳን፣ ብገበን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲሶም

Radio Erena: 05 April 2023

ብሕቡራት ሃገራት ዝቖመ መርማሪ ኮሚሽን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ደቡብ ሱሳን፣ ከበድቲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምፈጸሙ ክሲሱ።

እቲ ኮሚሽን ብ3 ሚያዝያ ኣብ ዝዘርግሖ ሓድሽ ጸብጻብ፣ እቶም ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝተኸሰሱ ሰብ ስልጣን ደቡብ ሱዳን፣ ብገበን ክሕተቱ ከምዝግባእ ኣስሚርሉ።

ክኢላታት ናይቲ መርመራ፣ ኣብ ሽዱሽተ ዞባታት ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘካየድዎ፣ ኣስታት ሓደ ዓመት ዝወሰደ ምእካብ ሓበሬታን መጽናዕቲን፣ ኣብታ ሃገር፣ ጃምላዊ ቅትለትን ግዱድ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮን ዝርከቦ ገበናት ከምዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ።

ብገበን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲሶም ካብ ዘለዉ ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳን፣ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት፣ ልዩተናትን ጀነራል ቶይ ቻኒን፣ ኣምሓዳሪ ናይቲ ዝበዝሐ እዋን ግጭት ዝካየደሉ ዞባ ዩኒቲ፣ ጆሴፍ ሞንትዩልን ይርከብዎም።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ምጽራይ እቲ ገበናት፣ ምስታ ብሕቡራት ሃገራት ዝቖመት ኮሚሽን ክተሓባበር ምዃኑ እኳ እንተጠቐሰ፣ ተኸሲሶም ዘለው ወትሃደራውያን ሲቪላውን ሰበ ስልጣናቱ ናብ ፍርዲ ከቕርብ ግና ፍቓደኛ ከምዘይኮነ ኣባላት ናይታ ኮሚሽን ይወቕሱ።

ካብ 2011 ኣትሒዛ ካብ ሱዳን ተፈልያ ናጻ ሃገር ኮይና ዘላ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 12 ዓመታት ካብ ኵናት ሓድሕድ ኣዕሪፋ ኣይትፈልጥን’ያ።

እታ ሃገር፣ ገና ዘይተፈትሑ ፖለቲካዊን ቁጠባውን ብድሆታት እናሃለዋ፣ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ተኸሲቱ ናብ ዘሎ ግጭት ሰራዊታ ምልኣኻ ካልእ ኣብዚ ሰሙን ከዘራርብ ዝቐነየ ጉዳይ’ዩ።

ደቡብ ሱዳን፣ ኣሰር ኬንያን ኡጋንዳን ብምስዓብ፣ ኣንጻር ‘ቲ ብM23 ዝፍለጥ፣ ኣብ ምዕራብ ኮንጎ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ፣ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ንምክያድ’ያ፣ ሰራዊታ ናብታ ሃገር ልኢኻ ዘላ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት፣ ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝቖመ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ደቡብ ሱዳንን ዝምድና ምስ ኤርትራን ብዝምልከት ንምምይያጥ ናብታ ሃገር ኣትዩ።

እቲ ልኡኽ፣ ብ04 ሚያዝያ ናብ ጁባ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈውርቂ ዝተላእከ ደብዳቤ፣ ናብ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ከምዘብጽሐ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ገሊጹ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0