ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣቡነ እንጠንዮስ ዝተሳተፉ ባሕታዊ፣ ኣብ መንደፈራ ብዘስካሕክሕ ግፍዒ ከምዝተቐትሉ ኣህጉረ ስብከታት ኣረጋጊጹ

Radio Erena: 04 April 2023

ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣቡነ እንጠንዮስ ዝተሳተፉ፣ ባሕታዊ የነታ እዝራ ክብርኣብ፣ ኣብ መንደፈራ ኣብ ዝርከብ ማሕበር ገዳም ደብረ ድማ ብዘስካሕክሕ ግፍዒ ከምዝተቐትሉ፣ መግለጺ ቀኖናዊ ኣህጉረ ስብከታት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣረጋጊጹ።

እቶም እንኮ ናይ ቅኔ መምህር ዝኾኑ የነታ እዝራ ዘደብረ ድማ ገዳም ኣቡነ መርቆሬዎስ፣ ንሓቅን ቀኖናዊ ሕግን ብዙሕ መከራ ክበጽሖም ከምዝጸንሐ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፣ ኣብ 15 ለካቲት 2023 መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ብግፍዒ ሰማእትነት ተቐቢሎም ከምዝሓለፉ ኣስሚርሉ።

እቶም ባሕታዊ፣ ንጸቕጥን ምፍርራህን በዲሆም፣ ኣብቲ መንግስቲን በቲ መንግስቲ እትድገፍ ናይ ኣስመራ ሲኖዶስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራን ሓዘን ዘይኣወጃሉን ብዙሕ ሰብ ዘይተሳተፎን ስነ ስርዓት ቀብሪ፣ ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ካብ ዝተሳተፉ ሒደት ‘ዮም።

የነታ እዝራ፣ ኣብ ስርዓተ ቀብሪ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ድሕሪ ምስታፎም ብመለካዊ ሲኖዶስ ዘኣስመራን መንግስቲ ኤርትራን ብዙሕ ስደትን ውግዘትን ክወርዶም ድሕሪ ምጽናሕ ድማ’ዮም ሰማእት ኮይኖም ክብል መግለጺ ቀኖናዊ ኣህጉረ ስብከታት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣነጺሩ።

ንኣስታት 17 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ዝነበሩ፣ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ብጹእ ወ ቅዱስ፣ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ኣብ 9 ለካቲት 2022፣ ኣብ መበል 94 ዓመት ዕድሚኦም ከምዝዓረፉ ይፍለጥ።

ብሃይማኖታዊ ጉዳያት ህግደፍ እትእለ ሲኖዶስን ጳጳሳታን፣ ንኣቡነ እንጠንዮስ ወግዓዊ ናይ ፓትርያርክ ስነ ስርዓት ቀብሪ ብምንፋግ፣ ብዙሕ ተሳታፊ ኣብ ዘይተረኽበሉ፣ ሬስኦም ብመቕርቦም ተጼሩ ኣብ ገዳም ክቕበር ምግባራ ትውቀስ።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0