ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክልትኣዊ ዘተ ንምክያድ ሕቶ ኣቕሪቡ

Radio Erena: Friday, 22 September 2023

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክልተኣዊ ዘተ ንምክያድ፣ ናብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ሕቶ ከምዘቕረበ ተሓቢሩ።

ምምሕዳር ትግራይ ነዚ ሕቶ ዘቕርብ ዘሎ፣ ኣብቲ ብሚኒስትሪ ፍትሒ ዝቖመ፣ ዘይሻራዊ ጉጅለ ሰብ ሞያ ዘቕረቦ እማመ መሰጋገሪ ናይ ፍትሒ ፖሊሲን ካልእ መስርሓትን ብዝምልከት ምስ ላዕለዎት ሰብ ስልጣን ፈደራል ንምምይያጥ ምዃኑ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣነጺሩ።

ብመሰረት እቲ መርበብ ዜና ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣቐዲሙ፣ መሰጋገሪ ፍትሒ ኣማራጺታት ፖሊሲ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፣ ናይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይ ምምይያጥ መድረኽ ንምስታፍ ምምሕዳር ትግራይ ወኪሉ ክልእኽ ሓቲቱ ‘ዩ።

እንተኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ተደራራቢ ናይ ስራሕ ጻዕቂ ከምዘለዎ ብምጥቃስ፣ ኣብቲ ናይ ምይይጥ መድረኽ ከምዘይሳተፍ ምግላጹ ተጠቒሱ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ሕዳር 2022፣ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ስምምዕ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፣ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዳግም ጅምር ክኢሉ እኳ እንተሎ፣ ጠንቂ’ቲ ግጭት ንዝኾኑ ነጥብታት ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምንዳይ ዛጊት ዝተጀመረ ዘተን ይኹን ናይ ዕርቂን ፍትሒን መስርሕ የለን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝተፈጸመ ገበናት ኵናትን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ከተጻሪ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘት ናይ ክኢላታት ኮሚቴ፣ ዕማማ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቲቱ።

እታ ኮሚተ ብ18 መስከረም ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ መንግስቲን ህወሓትን፣ ኣብ ሕዳር 2022፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ከተማ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ስምምዕ ምቝራጽ ቶኽሲ’ውን እንተኾነ፣ ገበናት ኵናት ይቕጽል ምህላዉ’ያ ገሊጻ።

ኣቦ መንበር ናይታ ናይ ክኢላታት ጉጅለ፣ መሓመድ ቻንዳ ዖትማን፣ ኣብ ጸብጻቡ፣ ኢትዮጵያ፣ ናብ ደረጃ ሃገር ዝዓረገ ግጭታት ኣንጸላልዩዋ ምህላዉ ኣጠንቂቑ።

ጃምላዊ ቅትለት ‘ውን ቀጺሉ’ዩ ዝበለ እቲ እቲ ኣቦ መንበር፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ፣ ዕንወት ከም ኣብያተ ትምህርቲን ሆስፒታላትን ዝኣመሰለ ትካላት ወሃብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን፣ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞ’ውን ተመሳሳሊ ክስተት ምህላዉ ኣተሓሳሲቡ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0