ዩክሬይን፣ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝቐንዐ ናይ ኣእካል መኻዚኖታት ኣብ ኬንያ ክትሃንጽ’ያ

Radio Erena: Friday, 22 September 2023

ዩክሬይን፣ ናብ ሃገራት ምበራቕ ኣፍሪቃ ዝከፋፈል ኣእካል ዝኽዘነሉ ቦታታት፣ ኣብ ኬንያ ክትሃጽ ምዃና ኣፍሊጣ።

ዩክሬይንን ኬንያን ናብዚ ስምምዕ ዝበጽሓ፣ ፕረዚደንታት ክልቲኤን ሃገራት፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝካየድ ዘሎ መበል 78 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝገበርዎ ርክብ’ዩ።

ፕረዚደንት ኬንያ፣ ዊልያም ሩቶ፣ እቲ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ብምርግጋጽ፣ እቲ ዝህነጽ መኻዚኖታት፣ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንዘጋጥም ዋሕዲ ኣእካል ቅልጡፍ መበጻጽሒ ከምዘግልግል ጠቒሱ።

እቲ መኻዚኖታት፣ ኣብ ወደብ ሞምባሳ ክህነጽ ምዃኑ’ዩ ፕረዚደንት ሩቶ ሓቢሩ።

ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬይንን ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ነተን ካብ ዩክሬይን ኣእክል ክሽምታ ዝጸንሓት ሃገራት፣ ዋሕዲ የጋጥመን ከምዘሎ ይፍለጥ።

ሩስያ ብወገና፣ ናብተን ዋሕዲ ኣእካል ዘጋጠመን ሃገራት ኣፍሪቃ ስርናይ ንምልኣኽ መደባት ከምዘለዋ’ያ ትግለጽ።

ብፍላይ ፖለቲካዊ ደገፍ ንዝሃባኣ፣ ኤርትራን ቡርኪናፋሶን ዝርከብአን ሽዱሽተ ሃገራት፣ ኣብዚ ዝመጽእ ሰሙናት ንነፍሲ ወከፈን 50 ሽሕ ቶን ስርናይ ብረዲኤት ክትልግሰለን ምዃና ኣረጋጊጻ ኣላ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0