ኣብ ከተማ በለድወይን ብዝተኻየደ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ፤ ብውሑዱ 18 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: Sunday, 24 September 2023

መንግስቲ ሶማል፤ ንኣልሸባብ ንምድምሳስ ኣብ ተኸታታሊ ወተሃደራዊ ወፍሪ ተጸሚዱሉ ኣብ ዘሎ እዋን፤ ኣብ ከተማ በለድወይን ብዝተኻየደ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ፤ ብውሑዱ 18 ሰባት ከምዝተቐትሉ፤ ኣሶሼትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ኣብቲ ብቀዳም 23 መስከረም ኣብ መፈተሺ ንቑጣ ከተማ በለድወይን፤ ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ብዝተጻወደ ነተጉቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፤ ሓያሎ ዝቖሰሉ ሰባት ናብ ሆስፒታል ክውሰዱ እንከለዉ፤ ብውሑዱ 20 ካልኦት ብከቢድ ዝቖሰሉ፤ ብሂሊኮፕተራት ናብ ከተማ ሞቓድሾ ይሰጋገሩ ምህላዎም ተገሊጹ።

ክብደት ናይቲ መጥቃዕቲ ቦምባ ከቢድ ብምንባሩ፤ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ህንጻታት ብምህሟኹ፤ ተቐቢሮም ናይ ዘለዉ ሰባት ዳህሳስ ይቕጽል ብምህላዉ፤ ቁጽሪ ምዉታትን ቁሱላትን ክብ ክብል ከምዝኽእል፤ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንኣሶሼትድ ፕረስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሓቢሮም።

ሰበስልጣን መንግስቲ ሶማል፤ ነቲ ፍጻሜ ኣል ሸባብ እዩ ገይሩዎ ብምባል ይኸሱ እኳ እንተለዉ፤ እዚ ዜና ናብ ስቱድዮ ክሳብ ዝኣተወሉ ሰዓት፤ ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።

ምስ ኣልሸባብ ኣብ ጽዑቕ ኲናት ተጸሚዱ ዝርከብ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፤ ተደጋጋሚ ምቅይያር ወተሃደራውያን ሰበስልጣን እውን የካይድ ብምህላዉ፤ ዘይርጉእነት’ቲ መንግስቲ ዘነጽር’ዩ ዝብል ትንታነ ይወሃቦ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0