ግብጽን ቱርኪን ንልዕሊ 10 ዓመታት ሻሕኪሩ ዝሸንሐ ዝምድንአን አሓዲሰን

Radio Erena: Friday, 16 February 2024

ፕረዚደንት ቱርኪ፡ ጣይብ ኤርዶዋን ናብ ግብጺ ታሪኻዊ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ብረቡዕ 14 ለካቲት ናብ ካይሮ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ግብጻዊ መዘንኡ ድሙቕ ኣቐባብላ ጌርሉ።

መራሒ ቱርኪ ናብ ግብጺ ክበጽሕ ኣብዚ ልዕሊ 10 ዓመታት እዚ ንመጀመርያዩ።

ኣብዚ ታሪኻዊ ምዃኑ ዝተገልጸ ርክብ መራሕቲ ግብጽን ቱርኪን ኣብ ካይሮ፡ ክልትኤን ሃገራት ዝጸንሐን ዝሕቱል ዲፕሎማሲ ከመሓይሻ፡ ዘለወን ንግዳዊ ልውውጥ ናብ ልዕሊ 15 ቢልዮን ዶላር ከዕብያን፡ ኣብ ጉዳይ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ድማ ተሪር መርገጺ ክሕዛን ኣብ ዝብል ነጥብታት ዮም ዘትዮም።

ብጉዳይ ምድጋፍ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ሕውነት ኣስላምእዘን ክልተ ሃገራት ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ምስሕሓብ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ቱርኪ፡ ነቲ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ትድግፍያ ብዝብል፤ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብውን ይኹንናኣየን።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0