ኢትዮጵያ፤ መዓልታዊ 100 ሽሕ ሜተር ኩብ ዝስተ ማይ ብሻምብቆታት ናብ ጂቡቲ ክትልእኽ’ያ

Radio Erena: Friday, 16 February 2024

ኢትዮጵያ፡ መዓልታዊ ናብ ጂቡቲ ክትልእኮ ዝጸንሐት 20 ሽሕ ሜተር ኩብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ናብ ኣስታት 100 ሽሕ ክብ ከተብሎ ምዃና ያ ዝሓለፈ ወርሒ ገሊጻ።

እዚ ዜናዚ፡ ነቕጺ ኣብ ዘለዎ ገማግም ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝተደኮነት ከተማ ጂቡቲ ንዝነብር ህዝቢ ዓቢ ብስራት ምዃኑ መርበባት እታ ሃገር ሓቢረን።

ሰበ ስልጣን ክልቲኤን ሃገራት፤ ነቲ ልዕሊ 250 ኪሊ ሜተር ዝዝርጋሕ፤ ኣብ ክልል ሶማል ናይ ኢትዮጵያ፤ ዓዲጋላ ዝርከብ መበገሲ ፕሮጀክት ኣብ ዝበጽሕሉ ኣጋጣሚ ድማዮም ኢትዮጵያ ናብ ጂቡቲ እትልእኮ ጽሩይ ዝስተ ማይ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ከተዛይድ ምዃኑ ዝጠቒሱ።

ብዋሕዲ ጽሩይ ዝስተ ማይ፤ ኣብ ከቢድ ጸገም ዝጸንሐት ጂቡቲ፡ ካብ መፋርቕ 2015 ኣትሒዛ ካብ ኢትዮጵያ ንምርካብ ጻዕርታት ከተካይድ ጸኒሓ።

ኣብ 2017፤ ብኩባንያ ቻይና ዝተጀመረ፡ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ናብ ጂቡቲ ዝኣቱ ሻምብቆታት ማይ ናይ ምዝርጋሕ ፕሮጀክት ተዛዚሙ፡ መዓልታዊ 20 ሽሕ ሜትሪ ቶን ማይ ኣብ ምልኣኽ ይርከብ።

ኣብዚ እዋንዚ ድማ፡ ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ምርድዳእ ናብ 100 ሽሕ ንመዓልቲ ክብ ክብልዩ።

95% ናይ ወደብ ኣገልግሎታት ኣብ ጂቡቲ እትምርኮስ ኢትዮጵያ፤ ናብ ጂቡቲ እትልኮ ማይ ብዘይ ክፍሊት ምዃኑያ ትጠቕስ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0