ሆላንድ: ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢን ደገፍቲ ህግደፍን ኣብ ዘካየድዎ ግጭት፡ መካይን ፖሊስ ተቓጺለን

Radio Erena: Sunday, 18 February 2024

ኣብ ሆላንድ፡ ከተማ ሄግ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢን ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍን: ብቀዳም 17 ለካቲት፡ ምሸት፡ ኣብ ዝተኻየደ ግጭት: ናይ ፖሊስ ዝርከብአን ብውሕዱ ሰለስተ መካይን ተቓጺለን።

ፖሊስ ነቲ ናዕቢ ንምቑጽጻር ኣብ ዝገበሮ ፈተነ፡ መካይን ከምዝተቓጸልኦ ኣረጋጊጹ።

ብዘይካዚ ዝተቓጸለት ኣውቶቡስ ከምዘላ ‘ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ግጭት ድሕሩ ከምዝሃደአ ፖሊስ እኳ እንተሓበረ፡ ዝተጎድኡ ይኹኑ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ብዛዕባ ምህላዎም ዛጊት ኣየነጸረን።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ከተማ ቻርሎትውን ብብርጌድ ንሓመዱዝተጠርነፉ ደለይቲ ለውጢ፡ ኣንጻር ምትእኽካብ ደገፍቲ ህግደፍ ተቓውሞ ኣካይዶም።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፡ ነቲ ጽልኢን ካልእ ፕሮፖጋንዳን፡ ከም ናይ ፖለቲካ መሳርሒዩ ዘገልግል ዝብልዎ ምትእኽኻባትን ፌስቲቫላትን ህግደፍ፡ ደው ንምባሉ፡ ብስም ብርጌድ ንሓመዱ ዝጽዋዕ ናዕቢ ዝተሓወሶ ተቓውሞ ከምዘካይዱዮም ዝገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0