ግብጺ: ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት፡ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ 8 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክግበረላ’ዩ

RADIO ERENA – Tuesday, 19 March 2024

ሕብረት ኤውሮጳ ብቕጠባዊ ማሕንቖታት ተታሒዛ ዘላ ግብጺ ናይ 8 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክገብረላ ምኳኑ ኣፍሊጡ::

ሕብረት ኤውሮጳ ንግብጺ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝገብረላ ዘሎ ቁጠባዊ ጸገማትታ ሃገር ኣተሓሳሲብዎ ዘይኮነ እታ ሃገር ቁጠባዊ ዕንወት እንተጋጢምዎ ሚልዮናት ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ከየዕለቕልቑ ብምስጋእ እዩ::

ኣብ ግብጺ ሓያሎ ስደተኛታት ተዓቑቦም ዘለዎ ኮይኖም ኣብታ ሃገር ምስዘይጥዕሞም ናብ ኤውሮጳ ክግዕዙ ዘሎ ድሌት ልዑል እዩ::

ኣብ ቃዛ ዘሎ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ብምህላዉ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ከተፍሪ ስግኣት ኣሎ: ቁጠባዊ ጸገም ዘለዋ ግብጺ ድማ ክትቆጻጸሮ ከጸግማ እዩ::

ኣብ መንጎ ግብጽን ሕብረት ኤውሮጳን ስምምዕ ንምብጻሕን ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣል ሲሲ ንምዝርራብ ብፕረዚደንት ኮምሽን ኤውሮጳ ኣርሰላ ቫን ዴር ለየንዝምራሕ መራሕቲ ጉጅለ መንግስታት በልጅዩም: ኢጣልያ :ኦስትርያ: ቆብሮስን ግሪኽን ኣብ ግብጺ ኣትዮም ይርከቡ::

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0