ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኤርትራ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ማሕበረሰብ ንምሕጋዝ ናይ15 ሚልዮን ዶላር ፕሮጀክት ኣበጊሱ

RADIO ERENA – Wednesday, 20 March 2024

ኣካል ሕቡት ሃገራት ዝኾነ፣ ውድብ መግቢን ሕርሻን (FAO)፣ ኣብ ኤርትራ ንሓደጋ ዝተቐልዑ መብዛሕቶም ብሕርሻ ዝነባበሩ ማሕበረሰብ ንምሕጋዝ፣ 15.8 ሚልዮን ዶላር ዝተገመተ ፕሮጀክት ኣበጊሱ።

እቲ ፕሮጀክት፣ ግሎባዊ ኣሳላጢ ኣከባቢ ብዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል ከምዝተመወለ ዝሓበረ FAO ፣ ሚኒስትሪ ማይን ኣከባብን ኤርትራ ድማ ከም መሻርኽቲ ከምዝተሓጋገዝ። ኣብቲ ብ19 መጋቢት ዝዘርግሖ መግለጺ ኣስሚርሉ።

እቲ ወፍሪ ብዝያዳ፣ ኣብ ኣጻድፍ ደቡባዊ ምብራቕን ገማግም ባሕሪን ኤርትራ፣ ጽንኩር ኩነታት ኣየር ኣብ ዘለዎ ከባቢታት ንዝነብሩ ስድራቤታት ዘተኮረዩ።

ኣብቲ ከባቢታት፣ ምስ ክሌማ ተኣሳሲሩ ንዘጋጠም ነቕጺ ብምብዳህ፣ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ማሕበረሰብ፣ ከም ጀርዲን፣ ምፍራይ እንስሳታት ዘቤት፣ ምግፋፍ ዓሳ፣ መሸጣ ፍርያት ሕርሻን ኣብ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ከምዝዋፈሩ ብምግባር፣ ብመግቢ ርእሶም ክኽእሉ መነባብርኦም ከመሓይሹን ዝዓለመዩ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብደረጃ ዓለምን ዞባናን ምስ ዘጋጥም ዘሎ ናይ ክሌም ለውጢ ዝሰዓበ፣ ከም ነቕጺ ወይ ዕልቅልቕ ዝኣመሰለ ከቢድ ባህርያዊ ሓደጋታት እኳ እንተዘየጋጠመ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ኣንጸላልዩ ዘሎ ደርቂ ግና ጽልዋታት ኣብ ምህርቲ ሕርሻ ይርአ ከምዘሎዩ ዝግምገም።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ FAO

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0