ኡጋንዳ: 1.6 ሚልዮን ስደተኛታት ተአንግድ

RADIO ERENA – Tuesday, 19 March 2024

ኡጋንዳ 3.6% ካብ ብዝሒ ህዝባ ዝሽፍን 1.6 ሚልዮን ስደተኛታት ኣአንጊዳ ከምዘላ እዚ ድማ ዕጽፊ ናይቲ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘሎ ስደተኛ ምኳኑ ተገሊጹ::

ኣብ ኡጋንዳ ዘለዉ ስደተኛታት ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ደቡብ ሱዳንን ዲሞክራስያዊት ኮንጎን ክምኡውን ካብ ሱዳን ኤርትራን ካልኦትን ዝመጹ ዝርከብዎም እዮም::

ኡጋንዳ ንኩሉ ስደተኛ ናይ ምቕባል ክፉት ማዕጾ ፖሊሲ ክህልዋ እንከሎ እንከሎ ሰሙናዊ ዓሰርተታት ኣማኢት ስደተኛታት ይመጹዋ: 81 ሚእታዊት ኣብ መዓስከራት ካብ ዘለዉ ስደተኛታት ድማ ህጻናትን ደቀንስትዮን እዮም::

ኡጋንዳ ኣምሳያ እቲ ስደተኛታት እትቕበሎ ብማሕበራት ተራድኦ ካብ ዝግበር ሓገዛት ክትከስብ ጸኒሓ:ንስደተኛታት ተባሂሉ ዝስራሕ ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን ዝርከቦ ትሕተ ቅርጺ ውን ዜጋታታ ሓዊስካ ይጥቀምሉ ኣለዉ::

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሱዳንን ዲሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ብዝካየድ ዘሎ ግጭታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 250 ሽሕ ስደተኛታት ድሕሪ ምቕባላ ግን ዝያዳ ሓገዝ ክግበረላ ትሓትት ኣላ::

ኡጋንዳ ምስ ብዝሒ ስደተኛታት ቁጠባዊ ቅልውላውን ዝያዳ ሓገዝ እንተዘይተጌሩላ ንኹሉ ስደተኛ ሓንጎፋይ ኢልካ ናይ ምቕባል ክፉት ፖሊሲኣ ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ምኳኑ ይግለጽ ኣሎ::

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0