ግብጺ፣ ኣብ ጉዳይ’ቲ ኢትዬጵያ እትጓየየሉ ዘላ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት ምስ ኤርትራ ትዝቲ

Radio Erena: Friday, 12 January  2024

ግብጺ፣ ኣብ ጉዳይቲ ኢትዬጵያ እትጓየየሉ ዘላ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት ምስ ኤርትራ ንምዝታይ እማመ ኣቕሪባ።

እቲ እማመ ዝቐረበ፣ ካብ ፕረዚደንት ግብጺ፣ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ዝተላእከ ደብዳቤ ሒዙ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ሳምኽ ሾክሪ፣ ብሓሙስ 11 ጥሪ ናብ ኣስመራ ድሕሪ ምእታውዩ።

መርበባት ዜና ግብጺ ብዘቕርብኦ ዘለዋ ሓበሬታ መሰረት፣ ካብ ኢትዬጵያ ሓደጋ ሃገራዊ ድሕነት ኣንጸላልዩዋ ዘሎ ሶማል፣ ድጋፍ ኤርትራን ግብጺን ትሓትት ኣላ።

ኣብ ኤርትራ፣ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝተመያየጠ፣ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ናብ ግብጺ ብምምራሕ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ክዘራረብ፣ ካብ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ዕድመ ቀሪብሉ ኣሎ።

ስእሊ፣- ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0