ጂቡቲን ፈረንሳን ኣብ ምስሕሓብ ሶማልን ኢትዬጵያን ብዝምልከት ዘትየን

Radio Erena: Friday , 12 January 2024

ጂቡቲን ፈረንሳን፤ ኣብ ጉዳይ እቲ ንሶማልን ኢትዬጵያን ኣሰሓሒቡ ዘሎ ስምምዕ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ብዝምልከት ዘትየን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፡ ካትሪን ኮሎና፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ፡ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ፡ ብ11 ጥሪ ኣብ ዘካየደቶ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፡ ክልትኤን ሃገራት፡ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ብምትሕብባር ክሰርሓ ከምዝኽእላ ኣስሚራትሉ።

ውሑስ መጓዓዝያ ባሕሪ ክህሉ እንተኾይኑ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ባሕሪ ምኽባሩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝጠቐስ ሚኒስተር ኮሎና፡ ነዚ ሕጊ እዚ ንምኽባር ፈረንሳ ኣድላዩ ዘበለ ስጉምታት ከምእትወስድ ኣፍሊጣ።

እታ ፈረንሳዊት ሚኒስተር ብዘይካዚ፡ ፈረንሳ፡ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብኢጋድ ንዝውሰድ ተበግሶታት ዘተ ሰላም ከም እትድግፍ ኣረጋጊጻ።

ኣብ ፈረንሳ ኣስታት 1500 ብዝሒ ሰብ ዘለዎ ሰራዊት ኣዋፊራ እትርከብ ፈረንሳ፡ ነቲ ካብ 1971 ኣትሒዙ ምስ ጂቡቲ ዝኸተመቶ ወትሃደራዊ ስምምዕን ዋንነት ቀዋሚ መዓስከርን ንምሕዳሱ ምስታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ኣብ ዘተያ ትርከብ።

ጂቡቲ፡ ነቲ ስምምዕ ከተሓድስ እንተኾይና፡ ተወሳኺ ክፍሊት ትሓትት ምህላዋ ዲፕሎማሰኛታት ፈረንሳ ይእምቱ።

ብሚኒስተራት ምክልኻልን ወጻኒን ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ፈረንሳ፡ ፈረንሳ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ጂቡቲ ዑደት ብምክያድ፡ ኣብዚ ጉዳይዚን ኩነታት ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪን ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ጂቡቱ፡ እስማዒል ገለን ካልኦት ሰበ ስልጣንን እታ ሃገርን ከምዝዘተዩ ይዝከር።

ብሑቲ ናይ የመን ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕታት ኣብ ልዕሊ መራኽብን ብሸፋቱ ባሕሪ ዳግም ሳዕሪሩ ዘሎ ቀርሰናን፡ ንውሕስነት ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎ ይርከብ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሱዳን፡ ኢትዬጵያን ሶማልን ዝርአ ዘሎ ምዕባለታትን ሓደሽቲ ምትኹታዃትን ድማ ተወሳኺ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0