ካርቱም፣ ኣብ ከባቢታት ኡምዱርማን፣ ጽዕጹቕ ኵናት ምቕጻሉ ተሓቢሩ

Radio Erena: Thursday 11 , January  2024

ኣብ ሱዳን፣ ከተማ ካርቱም፣ ከባቢታት ኡምዱርማን፣ ጽዕጹዕ ኵናት ይቕጽል ምህላዉ መርበባት ዜና ሓቢረን።

እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ፈጣን ሓይልታትን፣ ቅድሚ ሳልስቲ ዝተጎሃሃረ ኵናት፣ ኣብ ከባቢ ኡምዱርማን ዝርከብ ክፍሊ ሃንደሳ ሰራዊት መንግስቲ፣ ካብ ከበባ ንምውጻእ ዝጀመሮ ወፍሪ ክኸውን ከምዝኽእልዩ ተመልኪቱ።

ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት፣ ንክፍሊ ሃንደሳ ሰራዊት መንግስቲ፣ ንኣዋርሕ ዝኣክል ኣብ ከበባ ብምእታው ምስ ካልእ ኣሃዱታት ርክብ ከይገብር ገቲእዎዩ ጸኒሑ።

ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲ፣ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት፣ ኣብ ትሕቲ ፈጣን ሓይልታት ዝጸንሐ ሓያሎ ከባቢታት ከምዝተቖጻጸረ ሓቢሩ።

ኣብ ርእሲዚ፣ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለየ ዒላማታት ፈጣን ሓይልታት ናይ ነፍርቲ ደብዳብ ምክያዱ ዩ ተገሊጹ።

ኣብ ዕርድታቱ ከምዘሎ ዝገልጽ ፈጣን ሓይልታት ብወገኑ፣ ኣብ ልዕሊ ክፍሊ ሃንደሳን ካልእ ኣሃዱታትን ሰራዊት መንግስቲን ናይ ከቢድ ብረት ደብዳብ ኣካይዱ።

ክልቲኦም ወትሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን፣ ቅድሚ ኣስታት ክልተ ወርሒ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዳግግም ዝጀመርዎ ዘተ ንስምምዕ ምቑራጽ ቶኽሲ ዛጊት ዝኾነት ውጽኢት ኣይሃበን።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0