ግብጺን ኢትዮጵያን ኣብ መንጎአን ዘሎ ፍልልይ ኣብ ውሽጢ 4 ኣዋርሕ ክፈትሖኦ ተሳማሚዐን

Radio Erena: Friday 16 July 2023

ኢትዮጵያን ግብጺን፤ ብጉዳይ ፈለግ ናይል ዘልዓለኦ ግጭት ንምፍታሕ ዝጀመረ ዘተ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ድሕሪ ምብጽሑ፤ ዳግማይ ከካዪዶኦ ተሳማሚዐን።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲን ኢትዮጵያዊ መዘንኡ ኣብይ ኣሕመድን ብሓሙስ ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ፤ ጉዳይ ፈለግ ናይል፤ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብዘተ ክፈትሕዎ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ሓባራዊ ምግለጺ፤ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳንን ግብጽን ዝፈስስ እጃም ወሓዚ ማይ ንኸይትዕምጽ ቃል ምእታዋ ተጠቒሱ’ሎ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ርክቦም፤ ብቁጠባ፤ ፖለቲካን ባህልን ዝያዳ ጥምረት ክፈጥሩ እንተኽኢሎም፤ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝህሉ ምትእምማን ስለዝዓቢ ነቲ ዞባ ብሓፈሻ ምዕባለ ኣብ ምምጻእ ዕዙዝ ተራ ክህልዎ እዩ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ትማሊ 15 ሓምለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ ምስ ግብጻዊ መዘንኡ ዝበጽሖ ስምምዕ፤ እቲ ዘተ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ክዛዘም ከምዝተሰማምዑ ብምርግጋጽ፤ ኣብ ካልእ ጽላታት ቁጠባ እውን ብሓባር ክሰርሑ ምዃኖም ኣመልኪቱ።

ንሱ ብተወሳኺ፤ ኢትዮጵያ ንዋሕዚ ፈለግ ናይል ብምግባት፤ ንሱዳን ኮነ ግብጺ ክትሃስይ መደብ የብላን ክብል ደጊሙ ቃል ኣትዩ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0