መ.ኢትዮጵያ፣ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብጥርኑፍ ምስጓግ ደው ከብል ኣባላት ባ.ሰብኣዊ መሰላት ሓቲቶም

Radio Erena: Friday 16 July 2023

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፤ ካብ መንግስቲ’ታ ሃገር ዝገጥሞም ዘሎ ናይ ምስጓግ ሓደጋ ከምዘተሓሳሰቦም፤ ኣባላት ሰብ ኣዊመሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጾም።

እቶም ክኢላታት ብ13 ሓምለ ብሓባር ኣብ ዘውጽዎ መግለጺ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ንሓያሎ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ምምላሱ፤መሰል ስደተኛታት ከምዝጠሓሰ ክግንዘብ ይግባእ ኢሎም።

ስደተኛታት፤ ሓተትቲ ዑቕባ ኮነ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ብጥርኑፍ ምስጓግ፤ ዘለዎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ንምውጋድ፤ ብውሑዱ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጉዳይ በብውልቂ ክረኣይ ነይሩዎ፤ ክብሉ’ዮም እቶም ክኢላታት ሻቕሎቶም ዝገልጹ።

ብምጥሓስ ኩሉ ዓይነት ሰብኣዊ መሰላት ናብ ዝኽሰስ መንግስቲ ኤርትራ፤ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ ሰባት ምርካብ ማለት፤ ንማእሰርቶም፤ ንምስዋሮምን ንዝበጽሖም ካልእ ምግሃስ መሰላት ኣሕሊፍካ ምሃብ ምዃኑ፤ እቶም ሰብ ሞያ ገሊጾም።

ካብ’ቶም መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጠረዞም ኤርትራውያን፤ ኣባላት ስድራቤቶም ተፈልዮም ተሪፎም ከምዘለዉን፤ ገለ ካብኣቶም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ብዘይኣለይቲ ወይ ወለዲ ተሪፎም ምህላዎም ይሕበር።

ቆንስል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘቖሞ ጉጀለ ክኢላታት፤ መንግስቲ ኤርትራ ደሃይ’ቶም ተቐቢሉዎም ዘሎ ስደተኛታት ከፍልጥ፤ ብውሑዱ ከኣ ብቤተሰቦም ክብጽሑ ከፍቅድ፤ ጠበቓ ዘድልዮም እንተኾይኑ’ውን መሰሎም ክሕልው ጸዊዖም።
===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0