ወተሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ይዛተዩ

Radio Erena: Friday 16 July 2023
ካብ ዘተ ሰላም ስዑዲ ዓረብ ስሒቡ ዝጸንሐ ሰራዊት ሱዳን፤ ናብ ከተማ ጅዳ ተመሊሱ ክቕጽሎ ምዃኑ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።
እቲ ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ከምዝተዳለወ ዝግለጽ እማመ ሰላም፤ ፈጣን ሓይልታት ምልሻ ብተደጋጋሚ ጥሒሶሞ ብምባል እዩ ሰራዊት ሱዳን ካብቲ ዘተ ስሒቡ ጸኒሑ።
ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፤ ወከልቲ ሰራዊት ሱዳን ድሮ ናብ ከተማ ጀዳ ኣትዮም ምህላዎም ኣመልኪቱ።

ኣቐድም ኣቢሉ፤ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፤ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ፈይሰል ቢን ፈርሓን ከምዝተዘራረበን፤ ናብ ዘተ ሰላም ክኣትዉ ድሉዋት ምህላዎም ከምዝገለጸሉን ኣነጺሩ።
ጉዳይ ሱዳን ንምፍታሕ፤ መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ከተማ ካይሮ ብምርኻብ ክዛተዩ ከምዝቐነዩ ዝዝከር’ዩ።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ መንጎ ወተሃደራውያን ሓይልታት ዝጀመረ ናይ ስልጣን ቁርቁስ ብዘስዓቦ ኲናት፣ ብውሑዱ ህይወት 3 ሽሕ ሰባት ክወስድ እንከሎ፣ ልዕሊ 3 ሚልዮን ሱዳናውያን ከኣ ካብ ቤት ንብረቶም ኣመዛቢሉ ኣሎ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0