ሰራዊት ሶማል ካብ ኣልሸባብ መንዚዕዎ ካብ ዝጸንሐ ሓያሎ ከባቢታት ይስሕብ ምህላዉ ተገሊጹ

Radio Erena: Thursday, 31 August 2023

ሰራዊት ሶማል፣ ካብ ኣልሸባብ ብምምንዛዕ ተቕዕጻጺርዎ ካብ ዝጽንሐ ሓያሎ ከባቢታት ይስሕብ ምህላዉ፣ ርይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ሰራዊት ተቖጻጺርዎ ካብ ዝጸንሐ ከባቢታት ክስሕብ ዝተገደደ፣ ኣልሸባብ ዳግም ብምውድዳብ ብዘካየዶ ጸረ መጥቃዕቲ ምዃኑ ስሞም ንዝዓቐቦም ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ብምጥቃስ እቲ ኣገልግሎት ዜና ኣቃሊሑ።

ብመሰረት እቲ ናይ ሮይተርስ ሓበሬታ፣ ካብ ከተማታትን ቁሸታትን ተደፊኡ ክወጻእ ዝጸንሐ ኣልሸባብ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ፣ ስትራቴጃዊት ምዃና ንዝተገልጸተ ከተማ ኮይስ ወይን ድሕሪ ምቑጽጻሩ’ዩ፣ ሰራዊት ሶማል ካብ ብዙሕ ከባቢታት ክስሕብ ተገዲዱ ዘሎ።

እታ ከተማ ሓንቲ ካብ መናሃርያታት ሰራዊት ሶማል ብምንባራ፣ ኣልሸባብ ብምቑጽጻሩ ንገስጋስ እቲ ሰራዊት ዝገትእ ዝሓየለ ስርሒት ምዃኑ ‘ዩ ተጠቒሱ።

ኣልሸባብ ኣብቲ ዘካየዶ ጸረ መጥቃዕቲ ልዕሊ 178 ወታህደራት ሶማል ከምዝቐተለን ሓይሎ ከምዝማረኸብ ኣፍሊጡ።

ዝርዝራዊ መግለጺ ዘይሃበ መንግስቲ ሶማል ብወገኑ፣ ነቲ ብኣልሸባብ ዝተኻየደ ጸተ መጥቃዕቲ ክምዘምከነ ሓቢሩ።

ኣልሸባብ ደጊሙ ተቖጻጽሮዎ ዘሎ ኤል ዳሂር፣ ማሳጋዋይ፣ ጋላድን ቡድቡድን ዘተቓለለ ከባቢታት፣ ኣብ ዞባ ጋልጋዱድ ዝርከብ ኮይኑ፣ ካብ ከተማ ሞቛድሾ ኣስታት 200 ኪሎሜተር ንሰሜን ገማግም ባሕሪ ርሑቑ ዝተደኮነ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0