ጉጅለ 20 ዝሃብተማን ዝሓየላን ሃገራት፣ ንሕብረት ኣፍሪቃ ቀዋሚ ኣባልነት ሂቡ

Radio Erena: Monday, 11 September 2023

ብG20 ዝፍለጥ ምትእኽኻብ 20 ሃብታማትን ሓያላትን ሃገራት፣ ኣብ ህንዲ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፣ ንሕብረት ኣፍሪቃ ቀዋሚ ኣባልነት ከምዝሃበ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ፣ ብቀዳም 09 መስከረም ኣብ ዝተኸፍተ ዋዕላ እቲ ጉጅለ ኣብ መኽፈቲ ኣብ ዘስምዖ መደረ’ዩ ሕብረት ኣፍሪቃ ቀዋሚ ኣባልነት ከምዝህልዋ ዘረጋገጸ።

እዚ ኣብ ከተማ ኒው ደልሂ ዝተጋብአ ዋዕላ ጉጅለ 20 ሃገራት፣ ኣብ ጉዳይ ኵናት ሩስያን ዩክሬይንን ዝተመቓቐለ መርጊጺ ሒዙ ‘ዩ ተጋቢኡ።

ሩስያን ቻይናን ተቓውሞአን ንምግላጽ፣ ኣብቲ ዋዕላ መራሕተን ካብ ምልኣኽ ከምዝተቖጠባ ከፍልጣ እንከለዋ፣ ብደረጃ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጥራይ’የን ተወኪለን።

ይኹን’ምበር፣ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሩስያ፣ ቭላድሚር ፑቲን፣ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ተመሓላሊፉ ዘሎ፣ ኣብ ዝገሸሉ ሃገራት ተታሒዙ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ዝብል ውሳኔ፣ ነቲ መራሒ ካብ መገሻ ከምዝዓገቶ’ዩ ዝጥቀስ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ ብሪክስ’ውን፣ ፕረዚደንት ፑቲን ብሰንኪ ተመሳሳሊ ጉዳይ ብኣካል ክሳተፍ ከምዘይክኣለ ይዝከር።

ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሓድሽ ሰርዓተ ቁጠባ ክትኣታቱ፣ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ብዝፈጥርኦ ዘላ ብከላ ኣከባብ፣ ኣብታ ኣህጉር ንዝወርድ ናይ ክሌማ ለውጢን ሳዕቤናቱን ክኽሕሳን ኣብ ግሎባዊ መድረኻት ምዕሩይ ቦታ ክህልዋን ኣብ ዝጠልባሉ ዘለ ኣእዋን’ዩ ጉጅለ 20 ቀዋሚ ኣባልነት ዝህባ ዘሎ።

ኣብ ምዕባለ ማዕረ ዓለምና ክስጉማ ዘይክኣላ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ካብቲ ብኣመሪካ ሃገራት ኤውሮጳን ዝምራሕ ምዕራባዊ ደምበ፣ ናብ ሩስያን ቻይናን የቛምታ ምህላዋ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ብምልኪ፣ ብልሽውና፣ ዘይብቁዕ ምሕደራን ዝኣመሰለ ትካላዊ ብድሆታት ከወግዳ ዘይክኣላ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ቅድም ቀዳድም ውሻጠአን ከስተኻኽላ ደኣ’ምበር፣ ካብ ደምበ ናብ ደምበ ብምቕይያር ዘምጽኦ ለውጢ ከምዘይህሉ ተንተንቲ የረድኡ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0