ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዳውብ መስመር ዳግም ክኽፈት ጀነራል ኣልቡርሃን ኣዚዙ

Radio Erena: Monday, 11 September 2023

ሱዳን፣ ምስ ኤርትራ ዘራኽባ መስመር ዳግም ክኽፈት፣ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊትን ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ወሲኑ።

ኣልቡርሃን ነዚ ውሳኔ ዘሕለፈ፣ ሎሚ 11 መስከረም ናብ ኤርትራ ቅድሚ ምእታው ቅድሚ ሓደ ሰሙን፣ ምስ ኤርታር ናብ ዘዳውብ ዞባ ከሰላ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን’ዩ።

እቲ ጀነራል፣ ብ02 መስከረም፣ ናብ ምብራቕ ሱዳን ዞባ ከሰላ ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ንህዝቢ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ምስ ኤርትራ ዘዋስን ዶባት ንንግዲን ምቅንስቓስ ሰባትን ዳግም ክኽፈት ምዃኑ’ዩ ኣፍሊጡ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ብፍላይ ድማ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘለዎ ዝምድና ዝልዓለ ክብሪ ከምዝህቦ ጠቒሱ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ 15 ሚያዝያ ምስ ፈጣን ሓይልታት ዝተወልዐ ኵናት፣ ሰራዊት ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዋስን ከባቢታት፣ ንንግድን ምንቅስቓስ ሰባትን ብምድራት፣ ነቲ ዶባት ዓጽዎ’ዩ ጸኒሑ።

ኣብ ሱዳን ካብ ዝተወልዐ ኵናት ዝሃደሙ ኣስታት 3 ሽሕ ሱዳናውያንን ኣማኢት ኤርትራውያንን ብመንገዲ ‘ዚ ዶባ ናብ ኤርትራ ከምዝኣተዉ’ዩ ዝግለጽ።

ምስ ሸውዓተ ሃገራት እትዳውን ሱዳን፣ ምስ ምውላዕ ኵናት 4.8 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ካብ መነባብርኡ ክመዛበል እንከሎ፣ ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ዶብ ሰጊሩ ዑቕባ ሓቲቱ ይርከብ።

ዶባት ሱዳንን ኤርትራን፣ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ብዝሒ ካብ ኵናት ዝሃደሙ ሱዳናውያን ከእንግድ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ኣብቲ ከባቢ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኤርትራ ተዋፊሩ ነቲ ኩነታት ኣብ ምክትታል ከምዝርከብ ጸብጻባት ካብቲ ከባቢ ይጠቕሱ።

ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፣ ካብታ ቀንዲ መናሃርያ ኵናት ኮይና ዘላ ከተማ ካርቱም ንመጀመርያ እዋኑ ናብ ፖርት ሱዳን ክበጽሕ ድሕሪ ምኽኣሉ፣ ብዘይካ’ቲ ናብ ግብጺን ደቡብ ሱዳንን ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ናብ ኤርትራ ዘካየዶ መገሻ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ’ውን ናብ ምብርቕ ሱዳን፣ ዞባ ከሰላን ካልእ ከባቢታትን ዑደት ከካይድ በቒዑ ኣሎ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0