ጉጅለ ‘ብሪክስ’ ካብ ባሕቲ ጥሪ ኢትዮጵያ ትርከበን 5 ሃገራት ብወግዒ ክጽንብር እዩ

Radio Erena: Tuesday, 02 January 2024

ምትእክኻብ ‘ብሪክስ’ ኣብ 2009 ዝተመስረተ ንሃገራት ብራዚል፡ ሩስያ፡ ህንዲ፡ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ዘጸንበረ እዩ::

ካብ ባሕቲ ጥሪ ኣትሒዙ ድማ ንኢትዮጵያ: ስዑዲ ዓረብ: ሕቡራት ኢማራት ዓረብ: ግብጺን ኢራንን ብወግዒ ክጽንብረን እዩ::

ኣቐዲመን ዝነበራ ሃገራት ኣብ ቅልጡፍ ምዕባለ ዝርከባ ኮይነን ብ3.2 ቢልዮን ህዝቢ ማለት 41 ሚእታዊት ካብ ጠቕላል ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ዝሽፍና፡ 26 ሚእታዊት ካብ ፍርያት ዓለም የበርክታ፡ ብ56 ትሪልዮን ዶላር ድማ 32 ሚእታዊት ሃብቲ ዓለም ዝውንና ኔረን።

ምጽንባር እዘን ሕደስቲ ሃገራት ድማ ብሪክስስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝያዳ ናይ ነዳዲ ሃብትን ሕድሕዳዊ ንግድን: ካብ ኢትዮጵያን ግብጽን ዝያዳ ፖለቲካዊ መኽሰብ ኣብ ኣፍሪቃ: ኢራን ድማ ብሃገራት ምዕራብ ዝግበረላ እገዳታት ኣድሒኑ ሓድሽ ናይ ቁጠባ ዕድል ክፈጥረላ ትጽቢት ኣሎ::

ኣርጀንቲና እቐዲማ ኣብ ብሪክስ ክትጽንበር ሓቲታኳ እንተነበረት ድሒራ ግን ነቲ ጠለብ ስሒባቶ::

ምትእክኻብ ሃገራት ብሪክስ ብምዕራባውያን ሃገራትን ዶላርን ንዝብሓት ኣካይዳ ዓለም ንምብዳህ ዝቖመ ምኳኑ ብዙሓት ይዛረቡ።

ሃገራት ብሪክስ ብዘይካ ኣብ ቁጠባ ኣብ ምስራት ሰላም፡ ጸጥታ፡ ምትሕግጋዝን ምዕባለን ዝዓለመ ኮይኑ ኣብ 2050 ናይ ዓለም ቁጠባ ክዕብልል ካብ ዝሰርሕ ዘሎ ምትእኽኻብ ከምዝኾነ ይግለጽ::

እቲ ምትእኽኻብ ዶላር ከም ናይ ማእከል ንግዲ ደው ብምባል ብካልእ ባጤራ ክትክኦ ሓሳብ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ::

ኣብ 2006 ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓፈሻዊ ኣኬባኡ ኣብ ዘሰላስለሉ ዝነበረ እዋን ሃገራት ብራዚል፡ ሩስያ፡ ህንድን ቻይናን ብጎኒ ብምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ደረጃ ርክባት ጀሚረን፡ ቀንዲ ዕላማ እቲ ርክብ ኣብ ቅልጡፍ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ቁጠባዊ ማሕበር ንምምስራት ኔሩ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0