ኢትዬጵያ፣ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ በጺሐዬ ንዝበሎቶ ስምምዕ፣ ብመንግስቲ ሶማል ተነጺጉ

Radio Erena: Tuesday, 02 January 2024

መንግስቲ ኢትዬጵያ፣ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ በጺሐዬ ንዝበሎ ስምምዕ መረዳድኢ ሰነድ፣ ብመንግስቲ ሶማል ተነጺጉ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል፣ ሓምዛ ዓብዲ ባረ ዝተመርሐ ካቢኔ ሚኒስተራት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፣ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዬጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ዘይሕጋውን ንሉእላውነት ሶማል ዝግህስንዩ ክብልዩ ነጺግዎ።

መንግስቲ ሶማል ብተወሳኺ፣ ብዛዕባቲ ጉዳይ መብርሂ ንምሕታት ንኣምባሳደሩ ካብ ኢትዬጵያ ከምዝጸውዖ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብወገኑ፣ ድሕሪዚ ብኢትዮጵያ ዝተዘርግሐ ዜና፣ ምስ ኣባላት ፓርላማ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፣ ተቖሪሱ ዝዕደል ክሊ ማይ ሶማል ከምዘየለ ብምርግጋጽ፣ ኣብዚ እዋንዚ ብኹሉ መለክዒታት ኣብ ዝሓሸ ኣቓውማ ስለዘለና፣ ኢትዬጵያ ባህግታታ ክሰርምር ከምዘይክእል ክሕብር እፈቱኢሉ።

ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ዘመተ ተካይድ ዘላ ኢትዬጵያ፣ ንዓመታት ወደብ ዘይብላ ኮይና ዝጸንሐት ኢትዬጵያ፣ ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ ኮይናዝብል ህጹጽ ዜናያ ኣብ ባሕቲ ጥሪ ዘርጊሓ።

ጸኒሑ ኣብ ዝቐረበ ካልእ ዜና ግን፣ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተዘርግሐ ብምእላይ፣ ኢትዬጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ፣ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ስምምዕ መረዳድኢ ሰነድ ከቲማክብል ኣነጺሩ።

እቲ ናይ መረዳድኢ ሰነድ፣ ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ሙሰ ቢሒ፣ ኣብ 01 ጥሪ፣ ኣብ ኢትዬጵያ፣ ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተራኸበሉ ኣጋጣሚዩ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።

ፕረዚደንት ቢሒ፣ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ኣብ ዘሎ ምስሕሓብን ተኽእሎ ዕርቒን ንምዝታይ፣ ምስ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣብ ጂቡቲ ድሕሪ ዘካየዶ ዘተን ምምይያጥንዩ ናብ ኢትዬጵያ ኣምሪሑ።

መንግስቲ ሶማል፣ ነታ ካብ 1991 ኣትሒዛ ካብ ሶማል ዝተፈልየት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ከም ሉኣላዊት ኣካሉዩ ዝርእያ።

ይኹንምበር፣ እዛ ዛጊት ከም ሉኣላዊት ሃገር፣ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ዘይረኸበት፣ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ክልቲኣዊ ስምምዓት ከተካይድ ጸኒሓያ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታትውን፣ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኢትዬጵያን፣ ኣብ ክራይ ወደብ ዘተኮረ ስምምዓት እኳ እንተኸተመት ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን።

እዚ ሕጂ ምስ ኢትዬጵያ ተበጺሑ ዝብሃል ዘሎ ስምምዕ ግና፣ ካብ ክራይን ናይ ንግዲ ውዕላትን ሓሊፉ ንሉኣላውነትን፣ መሬታዊ፣ ክሊ ማይን ኣየርን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማል ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ምዃኑዩ ዝግልጸ ዘሎ።

መንግስቲ ኢትዬጵያ፣ ብስም ሕጋዊ መሰል ምርካብ ኣፍደገ ባሕሪ ዘካይዶ ዘሎ ዘመተ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ወጥርን ግጭትን ከየጎሃሀርዩ ዝስጋእ።

ስእሊ፦ ካብ አርካይቭስ ኢንትርነት

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0