ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ንእስራኤል ብጃምላዊ ህልቂት ትኸስስ

Radio Erena: Tuesday, 02 January 2024

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ተቐማጦ ወሽመጥ ቃዛ ብእትገብሮ ዘላ ጃምላዊ መቕጻዕትን ቅትለትን ብደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ (ICJ) ተኸሲሳ::

መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ኣብ ዝመስረቶ ክሲ: እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን እተካይዶ ዘላ ልዕሊ 21 ሽሕ ዝቐተለ ደብዳብ፤ ዕጽዋ መግቢ: ኤሌክትሪክ: ማይ:መድሃኒትን ካልእን መሰረታዊ ነገራትን ኣዕናውን ዓሌት ፈሊኻ ዝግበር ጃምላዊ ህልቂትንእዩ ዝብል እዩ::

እቲ ክሲ ብተወሳኺ: እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዕንወትን ቅትለትን ጥራይ ዘይኮነ ስነኣእምሮኣዊ ሃስያ ትገብር ከምዘላውን ይጠቅስ::

ኣቐዲሙ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪክ ራማፎዛ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን እተካይዶ ዘላ ጃምላዊ መቕጻዕቲ ምስቲ ኣብ1994 ዝተወድአ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ናይ ጸዓዱ ፈላሊኻ ግዛእ(ኣፓርታይድ) ከምዝመሳሰል ገሊጹ ኔሩ::

ሓገግቲ ኣካል ባይቶ ደቡብ ኣድሪቃውን ኣብ ሃገሮም ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤል ክዕጾ ኣድሚጾም እዮም::

እስራኤል እቲ ብደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሌኣ ተመስሪቱ ዘሎ ክሲ ምሉእ ብምሉእ ነጺጋቶ ኣላ::

ስእሊ፡- ካብ አርካይቭስ ኢንተርነት

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0