‘ጉዳይ ሱዳን ክፍታሕ፣ ኣብ ሞንጎ ሱዳናውያን ሓድነት ክህሉ ይግባእ’ ዓብደላ ሓምዶክ

Radio Erena: Wednesday, 25 October 2023

ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ዓብደላ ሓምዶክ፣ ኣብታ ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ነባሪ ፍታሕ ንምርካብ፣ ኣብ መንጎ ሱዳናውያን ሓድነት ክህሉ ጸዊዑ ክትብል ሱዳን ትሪቡን ገሊጻ።

ሓምዶክ ነዚ ዝበለ፣ ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከብቅዕን ሓባራዊ ዲሞክራስያዊ ሲቪላዊ መንግስቲ ንምምስራትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ናይ ሰለስተ መዓልታት ኣኼባዩ።

በቲ ኲናት ሰለማውያን ሰባት ግዳያት ይኾኑ ከም ዘለዉ ብምዝኽኻር ድማ ክልቲኦም ወገናት ንሰላም ኣበርቲዖም ክሰርሑ ተማሕጺኑ።

ኣብ 25 ጥቅምቲ 2021ብዕልዋ ተኣልዩ ዝነበረ ዓብደላ ሓምዶክ፣ ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ዝገበሮ ስምምዕ፣ ብ21 ሕዳር ናብ ስልጣን ክምለስ ክኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፣ ምስ ወትሃደራዊ ጉጅለ ብምዃን ንሱዳን ካብ ውድቀት ንምሓድን ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ክዕወት ብዘይምኽኣሉ፣ ስልጣኑ ክሓድግ ከምዝወሰነ ይፍለጥ።

ዓብደላ ሓምዶክ፣ ስልጣኑ ክሓድግ ካብ ዝደፋፍአ ነጥብታት ሓደ’ውን፣ መዓልታዊ እናዓበየ ዝምጽእ ዘሎ ተቓውሞ ህዝቢን ዝስዕብ ዘሎ ሞትን መቑሰልትን ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት የረድኡ።

ኣብ ጥሪ 2022 ወርሒ ድሕሪ ምስ ወተሃደራዊ ጉጅለ ዝተፈረመ ስምምዕ ስልጣኑ ዝሓደገ ሓምዶክ፡ ካብ ሰልፊ ንናጽነትን ለውጥን ሱዳን ማለት FFC ብምውጻእ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ኣተኲሩ ይሰርሕ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0