ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተሰዱ ሱዳናውያን፡ ዝተዋህቦም ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ቪዛ መዓልቱ ስለ ዘእከለ ኣብ ሻቕሎት ይርከቡ

Radio Erena: Wednesday, 25 October 2023

ብሰንኪ ኲናት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተሰዱ ሱዳናውያን፡ ዝተዋህቦም ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ቪዛ ክውዳእ ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ስግኣት ከም ዝርከቡ ዘጋርድያን ሓቢራ ።

ገለ ካብቶም ድሕሪ ኲናት ሓድሕድ ብእንግሊዝ ዝተደገፉ ሰባት፡ ብዛዕባ መጻኢኦም ካብ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘየለ ይዛረቡ።

“ኣብ 26 ጥቅምቲ ነተን ሽዱሽተ ኣዋርሕ ወዲአየን ምስ ቪዛይ ዝኾነ ነገር እንተዘይተፈጢሩን ምንዋሕ እንተዘይተገይሩን ዘይሕጋዊ ስደተኛ ክኸውን እየ ዝብል ስክፍታ ኣለኒ” ትብል ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም መምህር ዩኒቨርሲቲ ዝነበረት ዓዛ ኣሕመድ።

ዓዲ እንግሊዝ ኣብ መንጎ ክልተ ጀነራላት ሱዳን ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ ካብ 25 ሚያዝያ ክሳብ 3 ግንቦት 2,450 እንግሊዛውያንን ካልኦት ዜጋታትን ካብ ሱዳን ኣውጺኣ።

ኣብ ጉዳይ ሕጊ ተቖጻጻሪት ጉዳይ ኢሚግሬሽን ዝኾነት ካትሪን ሶሮያ፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን፡ ከመይ ጌሮም ጻንሖቶም ከናውሑ ከምዝኽእሉ፡ ወይ እንታይ ዓይነት መሰላት ክሓቱ ከምዘለዎም ከምዘይተሓበሮም ገሊጻ።

ኩናት ሓድሕድ ጀነራላት ሱዳን 6ይ ወርሑ ኣቑጺርሉ ኣብ ዘሎ እዋን ሞት ሰላማውያን ሰባት፣ ስቓይ፣ ዕንወት፣ ከውርድ እንከሎ ሚልዮናት ሰባት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎምን ተሰዲዶምን ኣለዉ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0