ገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርጋኣለም ፍስሃ፣ ኣብ ጀርመን ዝዕደል ስልማት ጆርጅ ኤልዘር ተዓዊታ

Radio Erena: 11 July 2023

ገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርጋኣለም ፍስሃ፣ ተዓዋቲት ሽልማት ጆርጅ ኤልዘር (Georg Elser Prize) 2023 ምዃና ፔን ኤርትራ ኣፍሊጡ።

ሽልማት ጆርጅ ኤልዘር፡ ንዝኽሪ፡ ነቲ 1939 ዘይተርፍ መሲሉ ዘንጸላሉ ዝነበረ ካልኣይ ኲናት ዓለም “ንምክልኻሉ” ንኣዶልፍ ሂትለር ክቕንጽል ዝፈተነ ዮሃን ጆርጅ ኤልዘር ዝስሙ ጀርመናዊ ዝዕደል ኮይኑ፣ ካብ 2001 ጀሚሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት፡ ኣብ ከተማ ሙኒክ (ጀርመን) ‘ዩ ዝካየድ።

እዚ ንዕዉት ወይ/ ዕውትቲ ከኣ €5,000 (ሓሙሽተ ሽሕ-ኤሮ) ገንዘባዊ ሽልማት ዘውህብ ሽልማት፣ ኣብቲ ኣዶሉፍ ሂትለር ዓመታዊ መደረ ዘስምዓሉ ዝነበረ’ሞ፡ ንምቕንጻሉ ፈተነ ዝተገብረሉ ዕለትን ኣደራሽን ኣብ 8 ሕዳር ከምዝካየድ ይፍለጥ።

እቲ ንሂትለር ንምቕታል ዝተፈተነ ስርሒት ዘይተዓወትን፡ ጆርጅ ኤልዘር ምስ ተታሕዘ’ውን ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ማእሰርቲ እንተተቐትለን፡ እቲ ተበግሶን ትብዓትን ግን ዓቢ ታሪኻዊ ቦታ ተዋሂብዎ ብኽብሪ እዩ ዝዝከር።

ካብ 2009 ኣትሒዛ ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመታት፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ማእሰርቲ ዝነበረት፣ ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ዕለት 8 ሕዳር 2023 ኣብ ዝካየድ ወግዒ ስነ ስርዓት ተረኺባ ሽልማታ ክትቅበል እያ።

“ይርጋኣለም ፍስሃ፤ ሽልማት ጆርጅ ኤልዘር 2023 ክትዕወት ዝኸኣለት፥ ኣንጻር ኢ-ዲመክስያዊ ስርዓት ደው ብምባል፡ ዲሞክራሲ ክነግስ ናይ ዘካየደቶን ተካይዶ ናይ ዘላን ጅግንነት ዝተመልኦ ቃልሲ ውጽኢት እዩ። ንዝብል ቃል መመይቲ እቲ ሽልማት ብምጥቃስ ፔን ኤርትራ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣስፊሩ።

ቃለ መመይቲ ብተወሳኺ፣ ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ብዝበጽሓ ኣሰቃቒ ግፍዕን መከራን ከይደነነት፤ ኣብ ናይ ስደት ህይወታ እውን ከይተረፈ ብዝሓረነ መንፈስ ብግጥሚታታን መደረታታን ኣቢላ ምስክርነታ ትህብን ጸኒዓ ትቃለስን ኣላ። ምባሉ ጠቒሱ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ዝሓለፈቶ መሪር ተመኵሮን ገና ዘይተጻዕደ ናይ ቃልሲ መንፈሳን ንኻልኦት ብተመሳሳሊ ጸቕጢ ዝሓለፉን ዝሓልፉ ዘለዉን ዜጋታት ዓለም፥ ብፍላይ እኳ ደቂ-ኣንስትዮ ዘበራትዕን ከም ዓቢ ኣብነት ዝርአን ምዃኑ እቲ ቃል መመይቲ ኣዘኻኺሩ።

ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ቀዳማይቲ ተዓዋቲ መሰል ምግላጽ ሓሳባት ሽልማት ፐን ኤርትራ 2019 ዝዀነት፤ ገጣሚት፡ ጸሓፊትን ጋዜጠኛን ምዃና ይፍለጥ።
================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Ghenet Magos 10 months ago

    Wow that is absolutely awesome news and well done you made me feel happy and proud of you sister