ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋብአ ፍሉይ ዋዕላ ኢጋድ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዝነጸገ ሰራዊት መንግስቲ፣ ደብዳብ ነፈርቲ ቀጺሉ

Radio Erena: 12 July 2023

ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብምትኳር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝተጋብአ ፍሉይ ዋዕላ ዝነጸገ፣ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲ፣ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ፈጣን ሓይልታት ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ቀጺሉ።

ኣቐዲሙ ኣብ ከባቢ ኡምዱርማን፣ ከባቢ ዳር ኤ ሰላም ብዘካየዶ ደብዳብ ነፈርቲ ብውሕዱ 22 ሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተለ ዝውቀስ ዘሎ እቲ ሰራዊት፣ ዋዕላ ኢጋድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደሉ ዕለት’ውን ተመሳሳሊ ደብዳባት ከምዝቐጸሎ’የን መርበባት ዜና ሓቢረን።

ብ10 ሓምለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ ኣርባዕተ መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ፣ ማለት ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ጂቡቲን ደቡብ ሱዳንን፣ ኵናት ሱዳን ብዘት ንምፍታሑ፣ ክልቲኦም ተጻረርቲ ሓይልታት ባካል ንምርኻቦም ዝዓለመ’ዩ።

ኣብቲ ብመሪሕነት ፕረዚደንት ኬንያ፣ ዊልያም ሩቶ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብኣካል ክርከብ እንከሎ፣ ጂቡቲን ደቡብ ሱዳን ግና ብሚኒስተራትን’የን ተወኪለን።

ኬንያ፣ ምስ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ወጊና ኣላ ብዝብል፣ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ፣ ብፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ንዝምራሕ ተበግሶ ናይ ሰላም ሽምግልና ኢጋድ ከምዘይቕበሎ ኣፍሊጡ’ዩ።

ኤርትራ’ውን ጉዳይ ሱዳን ብሱዳናውያን ክፍታሕ ኣለዎ ካብ ዝብል እምነት፣ ንዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ተበግሶታት ከምዘይትድግፎን ከምዘይትሳተፍን ምርግጋጻ፣ ምክትል እቲ ጀነራል ማሊክ ኣጋር ድሕሪ ናይ ኣስመራ ዑደቱ ገሊጹ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0