መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲ፣ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን፣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ንምዝታይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጋቢኦም

Radio Erena: Tuesday, 11 July 2023

መራሕቲ ኣርባዕተ ሃገራት ኢጋድ፣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ንምዝታይ፣ ትማሊ ሰኑይ 10 ሓምለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጋቢኦም።

መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲ፣ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን፣ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፣ ኣብ ኵናት ሓድሕድ ተጸሚዶም ዘለዉ ወትሃደራውያን መራሕቲ ሱዳን፣ ብኣካል ናብ ዘተ ንምቕርራቦም ዝዓለመ’ዩ።

እቲ ኣኼባ፣ ኣካል ናይቲ ኣቐዲሙ ኢጋድ ዝወሰኖ፣ ብመሪሕነት ፕረዚደንት ኬንያ፣ ዊልያም ሩቶ ክካየድ ዝተወጠነ ናይ ሽምግልና ተበግሶ’ዩ።

ኢጋድ፣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኣብ ዘካይዶ ዘተ ኣመሪካ ክትሳተፍ ምዃና’ውን ኣፍሊጣ ኣላ።

እንተኾነ፣ ኣዛዚ ሰራዊት መንግስቲ፣ ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ፕረዚደንት ኬንያ ነቲ ናይ ኢጋድ ተበግሶ ክመርሕ ከምዘይቅብሎ ‘ዩ ኣፍሊጡ።

ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ንፕረዚደንት ኬንያ ከም መራሕቲ ናይ ኢጋድ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ዘይቕበለሉ ምኽንያት፣ ምስ መጻርርቲ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ጸግዒ ከምዝሓዘ ብምውቃስ’ዩ።

ኵናት ሱዳን ኣብ ዝተወልዓሉ፣ እቶም መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ፣ ናብ ካርቱም ተበጊሶም እኳ እንተነበረኡ፣ ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ናብታ ሃገር ካብ ምጋሽ ከምዝተገደቡ ይዝከር።

ብመሪሕነት ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ሪያድ ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ክልትኦም ወገናት ሱዳን፣ ወግዓዊ መደምደምታ ከይተገብረሉ’ዩ ኢጋድ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ወሲዱ ዘሎ።

ኣብ ሪያድ ዝተበገሰ ዘተ ክልቲኦም ተጻጸርቲ ሓይልታት ሱዳን፣ ንኣስታት ሓደ ወርሒ እኳ እንተቐጸለ፣ ካብ ግዝያዊ ምቁራጽ ቶዅሲ ዝሓለፍ ስምምዓት ክበጽሕ ኣይከኣለን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0