ጅቡቲ ብልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ዘመናዊ መዓርፎ ነፈርቲ ትሃንጽ ኣላ

ጅቡቲ ብልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ዘመናዊ መዓርፎ ነፈርቲ ትሃንጽ ኣላ

Radio Erena : 21 Januray 2015

DjA

ጅቡቲ ብልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ዘመናዊ መዓርፎ ነፈርቲ ትሃንጽ ኣላ።

እቲ 25 ኪሎሜተር ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ርሒቑ ዝህነጽ ዘሎ ዘመናዊ መዓርፎ ነፈርቲ፣ ዓመታዊ 1.8 ሚልዮን ተጓዓዝትን 100 ሽሕ ቶን ናይ ካርጎ ጽዕነትን ከእንግድ ትጽቢት ከምዘለዎ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት እስማዒል ጉለ፣ ህንጻ ናይቲ ሓሰን ጉለድ ኦፕቲዶን ዝተሰምየ መዓር ንምጅምራ እምነ መሰረት ከምዘንበረ ዝሃበረ እቲ ምዕከን ዜና፣ ክሳብ 2018 ኣብ ዘሎ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ተዛዚሙ ኣገልግሎት ክጅምር ምዃኑ ኣረዲኡ።

 

እቲ መዓርፎ ነፈርቲ፣ ንዓበይትን ዘመናውያንን ነፈርቲ ከዕልብ ዝክእል ዘመናዊ መሐንበቢ ማለት runways ክህልዎ’ዩ።

እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ካብ መንግስቲ ቻይና ብዝተረኸበ ምወላ ዝህንጸ ዘሎ ኮይኑ፣ ቻይናዊ ናይ ህንጻ ኩባንያ’ዩ ዝሃንጸሎ ዘሎ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ክሳብ 2021 ኣብ ዘሎ ግዜ ዝዛዘም ካልእ መኦኣርፎ ነፈርቲ ብተመሳሳሊ ፕሮጀክት ክህነጽ ምዃኑ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና የመልክት።

ጅቡቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ንግዲ ዞባ ንምግባራ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ብዘይካ’ቲ ወደባት ናይ ምስራሕን ናይ ምስፋሕን መደባት፣ መዓርፎ ነፈርቲ፣ መንገዲ ባቡራትን ናጻ ዞባን ዝኣመሰለት ፕሮጀክታት’ውን ይስራሕ ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0