ምምሕዳር ዞባ ማእከል፣ ኣብ ከባቢ ኣርባዕተ ኣስመራ ካብ ንድፊ ወጻኢ ተሰሪሑ ዝበሎ መንበሪ ኣባይቲ ኣፍሪሱ

ምምሕዳር ዞባ ማእከል፣ ኣብ ከባቢ ኣርባዕተ ኣስመራ ካብ ንድፊ ወጻኢ ተሰሪሑ ዝበሎ መንበሪ ኣባይቲ ኣፍሪሱ

Radio Erena: 20 January 2015

4As

ምምሕዳር ዞባ ማእከል፣ ኣብ ከባቢ ኣርባዕተ ኣስመራ ብዘይሕግን ካብ ፕላን ከተማ ወጻኢ ብዝኾነ መንገድን ተሰሪሑ ንዝበሎ ሓያሎ ኣባይቲ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዘፍረሰ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ምምሕዳር፣ ነቲ ካብ ብዘይፍቓድን ካብ ፕላን ከተማን ወጻኢን ተሰሪሑ ዝበሎ ሓያሎ መንበሪ ገዛውቲ ምፍራሱ፣ ሓያሎ ስድራቤታት ከምዝተኸላበቱ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ካብቲ ከባቢ ብምውካስ እቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

 

ነበርቲ እቲ ፈሪሱ ዘሎ ኣባይቲ፣ ካብቲ ብዘይሕጊ ዝሰርሕዎ ኣባይቲ ክወጹ ተደጋጋሚ መጠንቐቕታ ከምዝተዋህቦም ዝሓበረ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ፣ ናብ ዝኸድዎ ቦታ ስለዘይነበሮም ግና ክሳብ ብመንግስቲ ናይ ምፍራስ ስጉምቲ ዝውሰደሉ ክጽበዩ ከምዝጸንሑ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ።

ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣቀዲሙ’ውን ኣብ ከባቢ ጸጸራት ተመሳሳሊ ኣባይቲ ናይ ምፍራስ ስጉምቲ ምውሳዱ ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ከተማታት ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣስመራ፣ ካብ ዓቕምን ቁጽጽር ነበርቲ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ መንበሪ ኣባይትን ክራይን ክፈትሕ ዘይክኣለ መንግስቲ፣ ኣብዚ ህዝቢ ብመነባብሮ ብከቢድ ተሃስዩሉ ዘሎ መሪር ግዜ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ምውሳዱ ሓያሎ ወገናት ይነቕፉ።

እንተኾነ፣ እቲ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ብኢደ ዋኒንካ ኣብ ክፉት መሬት ገዛውቲ ናይ ምስራሕ ተበግሶታት ንኸይስዕር ዝገትእ ምዃኑ’ውን ዝማጎትሉ ኣይተሳእኑን።

ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ብድሆታት ናብራ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ መንበሪ ኣባይቲ ብፍላይ ከኣ ክራይ ኣባይቲ’ዩ።
==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0