ዕሙር ንግዳዊ ልውውጥ ኣብ ዝካየደሉ ዶብ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ክልተ ነጋዶ ተቀቲሎም

ዕሙር ንግዳዊ ልውውጥ ኣብ ዝካየደሉ ዶብ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ክልተ ነጋዶ ተቀቲሎም

Radio Erena : 21 Januray 2015

Nimule

ዕሙር ንግዳዊ ልውውጥ ኣብ ዝካየደላ ኣብ ዶብ ኣብ እትርከብ ከተማ ኒሙለ ናይ ደቡብ ሱዳን ክልተ ነጋዶ ተቐቲሎም።

መንነቱ ዘይተነጸረ ሓደ ዕጡቕ ነቶም ክልተ ናጋዲ ኣብ ቅድሚ’ቲ የዕሪፎምሉ ዝነበሩ ማዘርላንድ ዝተባህለ ሆቴል ኣድራጋ ጠያይቲ ብምኳስ ቀቲልዎም ከምዝተሰወረ’ዩ ዝግለጸ ዘሎ።

እቲ ኣብ ኒሙለ ዝተፈጸም ቅትለት ዕልማኡ ዛጊት እኳ እንተዘይተሓበረ ምስ ስርቂ ዝተተሓሓዘ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

እቶም ተቐቲሎም ዘለዉ ክልተ ሃብታማት ነጋዶ’ውን ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ምዃኖም’ዩ ይግለጽ።

 

ኣብቲ ንኡጋንዳን ደቡብ ሱዳን ዘዳውብ ከባብኢታት ኒሙለ፣ ምስ ስርቒ ዝተሓሓዝ ተደጋጋሚ እዋን ቅትለት ከምዝተፈጸመ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ክልቲኦም መንግስታት ነቲ ዑምር ንግዳዊ ልውውጥ ዝካየደሉ መስመር ውሑስ ንምግባር ከምዝዘተዩ ይዝከር።

በዚ ናይ ንግዲ መስመር እዚ ኣማኢት ኤርትራውያን ነጋዶ ካብን ናብን ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ከምዝመላለሱ ይፍለጥ።
================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0