ጃፓን፣ ኣብ ፍሉይ ስርሒት ዝዋፈራ ነፈርቲ ናብ ጂቡቲ ልኢኻ

Radio Erena: 19 October 2023

ጃፓና፣ ኣብ ፍሉይ ስርሒት ዝዋፈራ ሰለስተ ነፈርቲ ናብ ጂቡቲ ከምዘዋፈረት ወትሃድራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እተን C-2 ዝዓይነተን፣ ኣብ ምክልኻል፣ መጥቃዕትን መጓዓዝያን ዝነጥፋ ነፈርቲ፣ ካብ ሓይሊ ኣየር ጃፓን ተዋፊረን፣ ኣብ ጂቡቲ ናብ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከር ጃፓን’የን ዓሊበን።

ሓንቲ ካብተን ነፈርቲ፣ ንዘይተወሰነ እዋን ኣብ ጂቡቲ ክትጸንሕ ምዃና ዝኣንፈቱ እቶም ምንጭታት፣ እተን ክልተ ግና ናብ ከምዘብላ ከምዘይተነጸረ ኣመልኪቶም።

ዒላማ ምውፋር እተን ነፈርቲ፣ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ዜጋታት ጃፓን ብህጹጽ ንምውጻእ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሚቱ።

ጃፓና፣ ኣብ ጂቡቲ ልዕሊ 500 ብዝሒ ወትሃደራት ዝሓቖፈ ቀዋሚ መዓስከር ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0