ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ታዕሊም ዝጸንሑ ወትሃደራትሶማል ናብ ግንባራት ተፋንዮም

Radio Erena: Wednesday, 18 October 2023

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ታዕሊም ዝጸንሑ ወትሃደራት ሶማል ናብ ዓዶም ከምዝተመልሱ መርበባት ዜና ሶማል ሓቢረን።

እቶም ብነፈርቲ ናብ ዓዶም ዝተመልሱ ወትሃደራት፣ ኣብ ሞቛድሾ ኣብ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝዓለብሉ፣ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሶማልን ተቐቢሎሞም።

ብዝሒ ናይቶም ካብ ኤርትራ ናብ ሶማል ተመሊሶም ዘለዉ ወትሃደራት ኣይተሓበረን።

ኤርትራ ኣቐዲማ ካብ 2019 ኣትሒዛ ኣስታት 5 ሽሕ ወትሃደራት ሶማል ከተሰልጥን ምጽንሓ ይፍለጥ።
ዝበዝሑ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ዓዶም ክምለሱ እንከለዉ፣ ኣብ ኤርትራ ዝተረፉ ‘ውን ምንባሮም’ዩ ተሓቢሩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ሶማል፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ፣ ኣስታት 3 ሽሕ ሰልጠንቲ ናብ ኤርትራ ንታዕሊም ከምዝልኣኸት ክሕበር ጸኒሑ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ብ08 ጥቅምቲ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ኣብ ምምላስ እቶም ወትሃደራት ብምትኳር ‘ዩ ተመያይጡ።

ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዝጀመሮ ካልኣይ መድረኽ መጥቃዕቲ፣ ከቢድ ስዕረት ዝወረዶ መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ስልጠና ዝርከቡ ሰራዊቱ ብዝቐልጠፈ ናብ ግንባራት ከዋፍሮም ‘ዩ ዝደሊ።

ካብ ኣልሸባብ ከቢድ ብድሆታት ገጢምዎ ዘሎ መንግስቲ ሶማል፣ ቅድሚ ናብ ኤርትራ ምጋሹ፣ ምውጻእ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ክደናጎ ‘ውን ብወግዒ’ዩ ሓቲቱ።

ሰራዊተን ኣብ ሶማል ኣዋፊረን ዝርከባ ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ጂቡቲ፣ ብሩንዲን ኬንያን ንጻውዒት መንግስቲ ሶማል ብምቕባል፣ ምስሓብ ሰራዊተን ካብታ ሃገር ንሰለስተ ኣዋርሕ ክናዋሕ ተሰማሚዐን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0