ኢትዮጵያ፣ ውህሉል ዕዳኣ ትኸፍለሉ ግዜ ክናዋሕ ሓቲታ

Radio Erena: 19 October 2023

ኢትዮጵያ፣ በብእዋኑ ዝተኣከበ ውህሉል ናይ ወጻኢ ዕዳ፣ ትኸፍለሉ ግዜ ክናዋሓላ ከምዝሓተተ ተገሊጹ።

እታ ሃገር ነዚ ሕቶ ተቕርብ ዘላ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ፣ ብመሪሕነት ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣብ ጉዳይ ዕዳ ዘተኮረ ናይ ምምኽካር መድረኽ’ዩ።

ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ዘለዋ ናይ ኣስታት 30 ቢልዮን ዶላር ዕዳ፣ ገሊኡ ክስረዘላ ገሊኡ ድማ ትኸፍለሉ ናይ ግዜ ገደብ ክንናዋሓላ ክትሓትት ምጽናሕ ይፍለጥ።

እዚ ኣቐዲማ ዘቕረበቶ ሕቶ ምላሽ ክሳብ ዝርከብ ድማ፣ ዝኸፈለሉ ግዜ ናይ ዝኣኸለ ገለ ክፋል እቲ ዕዳ፣ ደው ኢሉ ክጸንሕ’ያ ኣብዚ ናይ ምምኽካር መድረኽ ጠሊባ።

እታ ሃገር ካብ ዘለዋ ጠቕላላ ናይ ወጻኢ ዕዳ እቲ ኣስታት ፍርቁ ወይ 14 ቢልዮን ዶላር፣ ካብ 2006 ክሳብ 2022 ካብ ቻይና ዝተለቐሓቶ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ቻይና ብወገና ገለ ክፋል ዕዳ ክትስርዝ ምዃና እንተገለጸት፣ ኣብ ተኸታታሊ ኵናት ተሸሚማ እትርከብ ኢትዮጵያ ግና ዝተረፋ ዕዳ ክትከፍል ዘይኮነ፣ ተወሳኺ ልቃሕ ኣብ ምሕታት’ያ ትርከብ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0