እስራኤል፣ ሰለስተ ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ሓደ ኤርትራዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ክዳለዉ ተታሒዞም

Radio Erena: Friday, 06 October 2023

 

ኣብ እስራኤል ኣሽዶድ ዝተባህለ ዞባ ኣብ ክሊ ዕድመ ሰላሳታት ሓምሳታት ዝርከቡ ሰለስተ ኤርትራውያን፣ ኣብ ልዕሊ ካልእ ኤርትራዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ኣብ ምድላው እንከለዉ ተታሒዞም ክትብል ዮርሳሌም ፖስት ሓቢራ።

እቶም ገበነኛታት፣ ነቲ መደብ ኣብ ናይ ዋትስ ኣፕ ግሩብ ስእሊ ናይቲ ግዳይ ክኸውን ዝተሓስበ ኤርትራዊ ብምዝርጋሕ፣ ነቲ መደብ ከም ዝሓንጸጽዎ ፖሊስ ሓቢሩ።

ፖሊስ እስራኤል ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢን ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍን ዝተኻየደ ጎንጽን ምቅትታልን፣ ደው ንምባሉ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ምክትታልን መርመራታትን ነቲ ሓበሬታ ክረኽቦ ከም ዝኸኣለ ሓቢሩ።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ ዘሎ ስርዓት መሰልና ኣይሓለዎን፣ ኣብ ርእሴና በደል ፈጺሙ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ነዊሑናን ካልእን ዝብሉ ምኽንያታት ዝሃቡ’ኳ እንተኾኑ ሓያሎ ካብዚኦም ግን ብግዝያዊ መንበሪ ቪዛ ዝቕመጡ ክንሶም ነቲ በዲሉና ዝብልዎ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምድጋፍ ይርከቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቢንያሚን ናታንያሁ ነቲ ግጭት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ‘ኣብ ሃገሮም ዘሎ መንግስቲ ዝድግፉ ስደተኛታት ንምንታይ ንሃገሮም ዘይከዱ ኣብዚ ሃገር እንታይ ይገብሩ ኣለዉ’ ክብል ሕቶ ኣቕሪቡ ኔሩ።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0