ጂቡቲ፣ ግፋ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ክካየድ ኣዊጃ

Radio Erena: 02 May 2023

ጂቡቲ፣ ኣብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዝነብሩ ኣሽሓት ዜጋታት ጎረባብቲ ሃገራት ንምሓዝ፣ ግፋ ክካየድ ከምዝኣወጀት ኣፍሊጣ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጂቡቲ፣ ሰይድ ኖሕ ሓሰን፣ ብ30 ሚያዝያ ብቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ዓመተ 2022 ጥራይ ልዕሊ 220 ሽሕ ዜጋታት ጎረባብቲ ሃገራት፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ከምዝኣተዉ ጠቒሱ።

እዚ ብዝሒ’ዚ ነታ ሃገር ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ምዃኑ ዘመልከተ እቲ ሚኒስተር፣ ዛጊት ኣብ ዘካየዶ ግፋ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይጸንሖም ልዕሊ 3000 ሰባት ከምዝተታሕዙ ሓቢሩ።

መንግስቲ ጂቡቲ ኣውጺእዎ ብዘሎ ኣዋጅ ግፋ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት፣ ባዕላቶም ናብ ክፍሊ ኢምግሬሽን ክመጹን፣ ጉዳዮም ተራእዩ ውሳኔ ክወሃቦምን’ዩ ተላብዩ።

ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘሕትት ምኽንያት ዘይብሎም ዜጋታት ጎረባብቲ ሃገራት ድማ ባዕላቶም ክምለሱ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ብመንገዲ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ንምስጋር፣ ዓመታዊ 10ታት ኣሽሓት ዜጋታት ጎረባብቲ ሃገራት፣ ናብ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ጂቡቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክኣትዉ ምጽንሖም ይፍለጥ።

መብዛሕቶም ዜጋታት ኢትዮጵያን ሶማልን’ዮም።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0