ላዕለዋይ መራሒ መንግስቲ ጀርመን፣ ናብ ኢትዮጵያን ኬንያን ክበጽሕ’ዩ

Radio Erena: 02 May 2023

ላዕለዋይ መራሒ መንግስቲ ወይ ቻንስለር ጀርመን፣ ኦላፍ ሹልስ፣ ናብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክብጽሕ ምዃኑ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።

እቲ ቻንስለር፣ ኣብ 4ን5ን ግንቦት ናብ ኢትዮጵያን ኬንያን ክበጽሕ ምዃኑ ዘረጋገጸት ኣፈኛ መንግስቲ፣ ክሪስቲያን ሆፍማን፣ ኣብቲ ዞባ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂን ግጭታትን ብምትኳር ክመያየጥ ምዃኑ ኣሚታ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ናይ ክልተ ዓመታት ኵናትን ዘስዓቦ ዕንወትን ከምኡ ድማ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ብዝምልከት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ክዘራረብ’ዩ።

ኦላፍ ሹልቲ፣ ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሱዳን ተወሊዑ ዘሎ ኵናትን ብዘተ ንምፍትሑ ዘሎ ተኽእሎን ብምትኳር ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ሓለፍቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ክመያየጥ’ዩ።

ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ ምስ ዛዘመ፣ ናብ ኬንያ ብምምራሕ ምስ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ተመሳሳሊ ርክባት ከምዘካይድ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ምግታእ ዋሕዚ ዘይሕጋዊ ስደት ብምትኳር፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገዚፍ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ተሊማ ዘላ ጀርመን፣ ናብ ትግባረ ንምስግጋሩ፣ ብቀዳምነት ኣብቲ ዞባ ርጉእ ኩነታት ክፍጠር ከምእትደሊ ተንተንቲ የረድኡ።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0