ስዑዲ ዓረብን ኢራንን፣ ኤምባሲታተን ዳግም ክኸፍታየን

Radio Erena: 01 May 2023

ስዑዲ ዓረብን ኢራንን፣ ንሸውዓተ ዓመታት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ኤምባሲታትን ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ክኸፍታ ምዃነን ንሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፣ ሑሴን ኣሚር ዓብደላሕያን ብምጥቃስ ገሊጻ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ ሊባኖስ፣ ከተማ ቤሩት ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ ክልቲኤን ሃገራት ኤምባሲታትን ክኸፍታ ምዃነን እኳ እንተሓበረ፣ ንጹር ዕለት ኣይጠቐሰን።

ስዑዲ ዓረብን ኢራንን፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2015 ኣብ የመን ዝተወልዐ ኵናት ሓደ ዓመት ጸኒሐን’የን፣ ዝነበረን ልሕሉሕ ዝምድና ብምታኽ ጠቕሊለን ኤምባሲታተን ዓጽየን።

ኢራን፣ ኣብ የመን ዝልዓለ ወትሃደራዊ ሚዛን ንዘለዎ ሑቲ ትድግፍ’ያ ክትብል’ያ ስዑዲ ዓረብ ትወቕስ።

ዓብላሊ ሃይማኖት እስልምናዊ ሺዓ እትኽተል ኢራን፣ ኣብ የመን፣ ተመሳሳሊ እምነት ንዘለዎም ሓይልታት ሑቲ ብምድጋፍ፣ ናብ ስልጣን ክመጹን፣ ኣብታ ብዓብላሊ ሱና እስልምና እትምራሕ ስዑዲ ዓረብ ድማ ዘይምርግጋእ ክትፈጥርን ከም እትሰርሕ ብወገን እታ ንግስነት ብተደጋጋሚ ዝቐረብ ዝነበረ ወቐሳ’ዩ።

እዚን ካልእ ከም ኵናት ሶርያን ዝኣመሰለ ጉዳያት ተደማሚርዎ፣ እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ 2016 ዝምድናአን በቲኸን፣ ነዚ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ምትፍናን እኳ እንተጸንሓ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ብመንጎኝነት ቻይና ብዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ኤምባሲታተን ዳግም ክኸፍታ ከምዝወሰና ጸብጻብ ኣልጀዚራ ይሕብር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ስዑዲ ዓረብ ብመንገዲ ፖርት ሱዳን፣ ብመርከብ ዘውጽኣቶም ዜጋታት ኢራን፣ ናብ ዓዶም ከምዝተፋነወ ተፈሊጡ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ተቐርቒሮም ንዝነበሩ ኢራናውያን ንኸተውጽእ ዝወሰደቶ ተበግሶ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ብኣድናቖት ከምዝርእዮ ገሊጹ።
==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0