ጂቡቲ፣ ዝወንጨፈታ ሳትላይት ኣብ መጽናዕቲ ክሌማ ከተገልግል ምዃና ገሊጻ

Radio Erena: Thursday, 07 December 2023

ጂቡቲ፣ ኣብ ታሪኻ ንመጀመርያ እዋን ዝወንጨፈታ ሳትላይት ኣብ መጽናዕቲ ክሌማ ከተገልግል ምዃና ገሊጻ።

እታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ብ11 ሕዳር፣ ኣብ ኣመሪካ፣ ካብ ዝርከብ ማእከል ቫንደርበርግ ከምዝተወንጨፈት ዝተገልጸት ሳትላይት፣ ብምትሕብባር ኣብ ከተማ ሞምፐልየ ዝማእከሉ ዩኒቨርስቲ ምርምር ስነ ህዋ ፈረንሳ ዝተሃንጸተ’ያ።

ኣብ ምህናጽ እታ Djibouti 1A ዝተሰምየት ሳትላይት፣ ጂቡታውያን ተማሃሮ ስነ ህዋ ጎኒ ጊኒ ፈረንሳውያን ክኢላታት ከምዝተዋስኡ ‘ዩ ተመልኪቱ።

እታ ሳትላይት፣ እዋናዊ ኩነታት ኣየር ጂቡቲ እናተኸታተለት፣ ኣብ መሬት ናብ ዝተደኮነ ማእከል፣ እዋናዊ ሓበሬታ ከተመሓላለፍ’ያ።

ጂቡቲ፣ ናብ ህዋ ወንጪፋታ ዘላ ሳትላይት፣ ሓደ ኣካል ናይቲ ኣብ ምዕዋት ሸቶታት ሚልዮንዮም ሰሪዓቶ ዘላ ምምዕባል ቴክኖሎጂን ዕቃበ ኣከባብን’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0