መንግስቲ ኤርትራ፣ ተኽእሎታት ተቓውሞ ንምዕጋት፣ ተኣኻኺቦም ንዝረኸቦም መንእሰያት ብዝተፈላለየ ጠቐነታት ይኣስር ምህላዉ ተገሊጹ

Radio Erena: Thursday, 07 December 2023

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ጎነጽ ዝተሓወሶ ተቓውሞታት፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተኽእሎታት ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ከየለዓዕል ብምስጋእ ጽኑዕ ምክትታል የካይድ ምህላዉ ካብ ኣስመራ ዝተወከስናዮም ምንጭታት ሓቢሮም።

ብመሰረት እቶም ምንጭታት ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ እቲ መንግስቲ ተኽእሎታት ዝተወደበ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ንምዕጋት፣ ተኣኻኺቦም ንዝረኸቦም መንእሰያት ብዝተፈላለየ ጠቐነታት ይኣስሮም ኣሎ።

ሓያሎ ካብቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ፣ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ዝተኣስሩ መንእሰያት፣ ብምጽማድ ሓደ ዓይነት ጾታ ከምዝተጠቐኑ’ዩ እቲ ሓበሬታ ዘመልክት።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት፣ ኣንጻር ምትእኽኻብ ደገፍቲ ህግደፍ፣ ብምስ ‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ዝጀመረ ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ፣ ኣብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈላለየ ስምዒታት ፈጢሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0