ሱዳን፣ ብሰንኪ ኮሌራ ልዕሊ 160 ሰባት ከምዝሞቱ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ

Radio Erena: Thursday, 07 December 2023

ኣብ ሱዳን ብልዑል ናህሪ ይላባዕ ከምዘሎ ዝተጠርጠረ ሕማም ኮሌራ፣ ልዕሊ 5 ሽሕ ሰባት ከምዘጥቀዐን ልዕሊ 160 ድማ ከምዝቐተለን ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ።

እቲ ውድብ ብ2 ታሕሳስ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፣ እቲ ፈለማ ኣብ ገዳርፍ ዝተራእየ ለብዒ ኮሌራ፣ ናብ ዞባታት ከሰላ፣ ቀይሕ ባሕሪ፣ ካርቱም፣ ኣጀዚራ፣ ብሉ ናይል፣ ሰናር፣ ኮርዶፋንን ካልኦትን ኣብ ዝርከብ ብውሕዱ 46 ዓድታት ከምዘስፋሕፈሐ’ዩ ተጠቒሱ።

ገዳርፍ፣ ኣጀዚራ፣ ቀይሕ ባሕሪን እተን ብዝያዳ በቲ ኮሌራ ምዃኑ ተጠርጢሩ ዘሎ ሕማም ዝተጠቕዓ ዞባታት’የን።

ኣብ ኵናት ክልተ ወትሃደራውያን ሓይልታት ተሸሚማ እትርከብ ሱዳን፣ ዜጋታታ ፈቐድኡ ተበታቲኖም፣ ኣገልግሎታት ጥዕና ብስሩዕ ኣብ ዘይርከበሉ ኩነታት ወዲቖም ይርከቡ።

ዞባዊ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ኣሕመድ ኣልማንድሃሪ ከምዝበሎ፣ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፣ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ሱዳን 60 መጥቃዕትታት ከም ዝተኻየደን፣ብሰንኩ 34 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 38 ድማ ቆሲሎም።

ብሰንኩ ድማ ኣብታ ሃገር፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ኵናት ዝተኻየደሉ ሸውዓተ ኣዋርሕ፣ 80% ትካላት ጥዕና ከምዝተዓጽዋ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣተሓሳሲቡ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0