ጂቡቲ፣ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ብምጥሓላ፣ ናይ 24 ሰባት ሃለዋት ጠፊኡ

Radio Erena: Tuesday, 22 August 2023
18 ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 60 ስደተኛታት ጽዒና ካብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ዝተበገሰት ጃልባ ብምጥሓላ፣ ናይ 24 ሰባት ሃለዋት ክፍለጥ ከምዘይክኣለ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት ገሊጹ።

እታ ጃልባ፣ ኣብ ሰሜናዊ ጂቡቲ፣ ጎደርያ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ኦቦክ፣ ብ17 ነሓሰ ከምዝተበገሰት ዝሓበረ እቲ ትካል፣ 26 ክድሕኑ እንከለዉ 11 ድማ ጥሒሎም ከምዝሞቱን ሬስኦም ከምዝተረኽበን ኣነጺሩ።

ናይቶ’ም ዝተረፉ ሃለዋት ግና ክፍለጥ ብዘይምኽኣሉ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ክሊ ማይ ናይ ምድላዮም ስርሒት ይቕጽል ኣሎ።

ዜግነት ናይ’ቶም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝጠሓሉ ሰባት እኳ እንተዘይተጠቕሰ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኢትዮጵያ ምዃኖም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ገሊጾም።

ዓመታዊ ኣስታት 200 ሽሕ ዝግመቱ፣ መብዛሕኦም ኢትዮጵያውያን ዝኾኑ ዜጋታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ እናተበግሱ፣ ብመንገዲ የመን፣ ናብ ስዑዲ ዓረብን ሃገራት ወሽመጥን ንምስጋር ከምዝሕልኑ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይጠቕስ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ነቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምእታው ፈቲኖም እትብሎም ስደተኛታት ንምግዕጋት፣ ብኣልማማ ቶዅሲን ካልእ ግፍዕታትን ከምእትፍጽም ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የመልክቱ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0