ኢትዮጵያ፣ ብኵናት ንዝወረደ ዕንወት ንምሕዋይ ልዕሊ 20 ቢልዮን ዶላር ከምዘድልያ ገሊጻ

Radio Erena: Tuesday, 22 August 2023
ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሰሜን ክፋል እታ ሃገር ብዝተኻየደ ኵናት ንዝወደረ ዕንውት ንምሕዋይ 20 ቢልዮን ዶላር ከምዘድልያ ገሊጻ።

ሚኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገር፣ ኣቶ ኣሕመድ ሺዴ ንፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብኵናት ዝወረደ ዕንወት፣ ኣብ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት መደብ ንምሕዋይ’ዩ ልዕሊ 20 ቢልዮን ዶላር ከምዘድሊ’ዩ ገምጊሙ።

ነዚ ንምትግባር፣ ናይ ክልላት ፈደራልን ባጀታት ኣብ ውፍሪ ክውዕል ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ሚኒስተር፣ ሓገዝ ከም ባንክ ዓለም ዝኣመሰለ ኣህጉራዊ ፊናንስያዊ ትካላት’ውን ከምዘድሊ ኣስሚርሉ።

ፕረዚደንት ባንክ ዓለም፣ ኣጃይ ባንጋ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝበጽሓሉ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብምትኳር ምስ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ከምዝተመያየጠ ይዝከር።

ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ’ቲ ካብ ሕዳር 2020 ክሳብ ሕዳር 2022፣ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኵናት፣ ኣብ ንብረትን ቁጠባን እታ ሃገር ብጠቕላላ ናይ 28 ቢልዮን ዶላር ዝግምገም ዕንወት ከምዝወረደ’ያ ክትገልጽ ጸኒሓ።

መብዛሕትኡ እቲ ዝወረደ ዕንወት፣ ኣብ ማእከል ናይቲ ኵናት ኣብ ዝነበረት ክልል ትግራይ ኮይኑ፣ ኣብ ሓፈሻዊ ቁጠባዊ እታ ሃገር ድማ ክሳብ እዚ እዋን ዝቕጽል ዘሎ ቅልውላው ኣስዒቡላ’ዩ።

ኣብቲ ኵናት ብዘይካ’ቲ ኣብ ንብረት ዝወረደ ዕንወት፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት’ውን ከምዝቖሰሉን ይጠቐስ።

ልዕሊ 4 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ብሰንኪ እቲ ኵናት ካብ መነባብርኡ ክፈናቐል እንከሎ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ኣስታት 13 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ተጸባይ ረዲኤት ኮይኑ ምህላዉ ኣህጉራውያን ትካላት የመልክታ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0