ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝርከቦም መራሕቲ ልዕሊ 60 ሃገራት ኣብ ዋዕላ ብሪክስ ይሳተፉ ኣለዉ

Radio Erena: Wednesday, 23 August 2023

  • ፕረዚደንት ሩስያ ብሰንኪ ስግኣት ማእሰርቲ ብኣካል ኣይተረኽበን

ብክሲ ገበናት ኵናት ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ናብ ዝገሸሉ ሃገር ተእሲሩ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ትእዛዝ ተመሓላሊፍሉ ዘሎ ፕረዚደንት ሩስያ፣ ቭላድሚር ፑቲን፣ ኣብቲ ትማሊ 22 ነሓሰ ዝተኸፍተ ዋዕላ ሃገራት ብሪክስ፣ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ተሳቲፉ።

ኣብዚ ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም 65 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ማእከላይ፣ ምብራቕን ላቲን ኣመሪካን ዝሳተፍዎ ዘለዉ ዋዕላ፣ ኣብ ህልዉ ስርዓተ ቁጠባ ዓለምናን ኣጠቓቕማ ናይ ወጻኢ ባጤራታትን ኣብ ዝብል ኣጀንዳ ይዝቲ ኣሎ።

ኣባላት ሃገራት ብሪክስ፣ ብራዚል፣ ሩስያ፣ ህንዲ፣ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን፣ ሓሙሽተ ሃገራት ጥራይ እኳ እንተኾና፣ ካብዚ ዓመት እዚ ኣትሒዘን ልዕሊ 40 ሃገራት ናብዚ ደምበ ንምጽንባር ብወግዒ ከምዝሓተታ’ዩ ዝግለጽ።

ገለ ካብተን ናብ ብሪክስ ንምጽንባር ወግዓዊ ሕቶ ዘቕረባ ሃገራት፣- ኢትዮጵያ፣ ግብጺ፣ ስዑዲዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣርጀንቲና፣ ኣልጀርያ፣ ኩባንን ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ይርከብአን።

መበል 15 ዋዕላ ብሪክስ፣ ኣብ 24 ነሓሰ ኣብ ዝዛዘመሉ፣ ኣባልነት ሃገራት፣ መጻኢ እቲ ደምበን ዝኽተሎ ፖሊሲን ከነጽር ትጽቢታት ኣሎ።

ሓሙሽተ ኣባላት ሃገራት ብሪክስ፣ ኣስትትታት 40% ብዝሒ ህዝቢ ዓለምና ‘የን ዝሽፍና።

ብሪክስ ኣባልነት ብምዕባይ ልዕሊ 40 ሃገራት ክሓቝፍ እንተኽኢሉ፣ ውሑድ ብዝሒ ህዝቢ ብዘለወን ሃገራት ምዕራብ ንዝምእዘዝ ስርዓተ ቁጠባ ዓለምና ብድሆ ክኾኖ ከምዝኽእል ተንተንቲ የረድኡ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0