ጂቡቲ፣ ምስ ዓበይቲ ሃገራት ዓለም ኮይና ኣብ ምውሓስ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ትሰርሕ ምህላዋ ፕረዚደንት ዑመር ገለ ገሊጹ

Radio Erena: Tuesday 13, February 2024

ጂቡቲ፣ ምስ ከም ኣመሪካ፣ ብሪጣንያ ፈረንሳን ካልኦትን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ሃገራት ዓለምን ከም ስዑዲ ዓረብ ዝኣመሰላ ሃገራት እቲ ዞባን ብምዃን፣ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ምውሓስ ትሰርሕ ከምዘላ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ገለ ምስ ሻርቕ ኣል ኣውሰጥ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቅ፣ ኣብ ምግታእ ቅርሰና ባሕሪ፣ ሽበራን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕታት መራኽብን ንምግታእ፣ ጂቡቲ ምስ ሓያላን ሃገራት ትተሓባበር እኳ እንተላ፣ ናብ ዝኾነ ኣካል ዝቐንዐ፣ ካብ ግዝኣታ ዝብገስ መጥቃዕቲ ግና ከምዘይትድግፍ ኣነጺሩ።

ጂቡቲ ምስ ስዑዲ ዓረብ፣ ነዊሕ ዓመታት ዘቝጸረ ጥቡቕ ዝምድና ከምዘለዋ ብምዝክኻር ድማ፣ ኣብ ምርግጋእ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪን ሃገራት እቲ ዞባን ዝልዓለ እጃም ከምዘለወን ጠቒሱ።

ኣብ ኣዝዩ ስትራቴጅያዊ ኣፈደገ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ጂቡቲ፣ ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ቻይናን ካልኦትን ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከራት ኣብ ግዝኣታ ክህልወን ፈቒዳያ።

ብፍላይ ከም ኣመሪካን ቻይናን ዝኣመሰላ ተጻረርቲ ሃገራት፣ ኣብ ጂቡቲ ወትሃደራዊ መዓስከራት ምኽፋተን፣ እዛ ንእሽቲ ሃገራት ብኸመይ ክትሕዞ ክኢላ ንዝብል፣ ፕረዚደንት ገለ፣ ወትሃደራዊ ህላዌ እዘን ሃገራት ብቀንዱ፣ ቁጠባዊ ረብሐአን ንምሕላው ምዃኑ ብምትሕስሳብ፣ ተኸኣኢልካ ብሓባር ምንባር ከምዝክኣል ውን ከም ኣብነት ኣቐሚጥዎ።

ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕታትን ኣብ ክሊ ማያት ሶማል ዝስዕርር ዘሎ ቅርሰናን፣ ንጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ሑቲ፣ ብሰኑይ 12 ለካቲት፣ ናይ ግሪክ ምዃና ንዝተገልጸት፣ ደረቕ ጽዕነት እተመላልስ ናይ ካርጎ መርከብ፣ ብሚሳይል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ናይ ቀረባ ኣብነትዩ።

ብቀይሕ ባሕሪ፣ ካብን ናብን ሃገራት ርሑቕ ሃገራት ምብራቕን ኤስያን ኤውሮጳን ኣመሪካን፣ መዓልታዊ ብገምጋም 20 ናይ ንግዲ መራኽብ ይመላለሳ።

ኣብ ካልእ ወገን፣ እዋናዊ ኣቦ መንበርነት ኢጋድ ተረኪባ ዘላ ጂቡቲ፣ ኣብ ሱዳን ኣብ ዘሎ ኩነታት፣ ዘይሻራዊ መርገጺ ብምሓዝ፣ ምስ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ብምትሕብባር ንምፍታሑ ጻዕርታት ተካይድ ምህላዩውን ፕረዚደት ዑመር ገለ ኣብቲ ኣብዚ ሳልስቲ ዘካየዶ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ ኣመልኪቱ።

ፕረዚደንት ጂቡቲን ኣቦ መንበር ኢጋድን፣ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ሱዳን ናብ ኣባልነት ኢጋድ ክትምለስ ዝጽውዕ ፍሉይ ልኡኽ ናብ ካርቱም ኣዋፊሩ ምህላዉዩ ዝግለጽ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0