መጭወይቲ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ እናገነነ ይመጽእ ኣሎ

Radio Erena: Tuesday 13, February 2024

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ መጭውይቲ ኤርትራውያን እናገነነ ይመጽእ ኣሎ።

መጭይወቲ ኤርትራውያን፣ ብፍላይ ኣብ ቆልዑ ዘተኮረ፣ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባውን ከምዘጋጠመ ራድዮ ኤረና ከተረጋግጽ ክኢላ ኣላ።

ካብ ወጻኢ ንዝመጽኡ ስድራቤታ ክትበጽሕ ካብ ኣስመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ክልተ ደቓ ዝገሸት ሓንቲ ኤርትራዊት ኣደ፣ ሓደ ወዳ ክጻወት ምስ ወጸ ተጨውዩ፣ 10 ሽሕ ዶላር ክትከፍል ትሕትት ምህላዋ ናይ አረባ ቤተሰባ ገሊጾም።

ካብ ኤርትራ፣ ዶባት ሰጊሮም ናብ ትግራይ ዝኣትዉ ኤርትራውያን፣ ብደላሎን ኣሰጋገርቲን፣ ይሽየጡን ንምፍትሖም ኣሽሓት ዶላራት ይሓቱን ምህላዎም ብሰፊሑ ክዝረበሉ ጸኒሑዩ።

ኣብዚ እዋንውን እቲ መጭወይቲ ደው ከምዘይበለን፣ እኳ ደኣ ይገድድ ከምዘሎን ዳይረክተር ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም፣ ኣብ ናይ ውልቃ ማሕበራዊ ሜድያ ፌስቡክ ኣስፊራቶ ኣላ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን፣ ነዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣተኵሩ ዝካየድ ዘሎ ምጭዋይን መሽጣን ኤርትራውያን ንምግታእ ብዕቱብ ክሰርሑውን ጻውዒት ይቐርብ።

ኤርትራውያንውን ብፍላይ ብዶብ ትግራይ ዝሰግሩን ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ደቆም ዝገሹን፣ ልዑል ጥንቃቐታት ክገብሩውን ነዚ ሓበሬታ ዝሃቡና ወገናት ኣተሓሳሲቦም።

ስእሊ፦ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0