ሱዳን፣ ፈጣን ሓይልታት ኣብ ዝቖጻጸርዎ ከባቢታት ህጹጽ ረዲኤት ክልኣኽ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: Tuesday 13, February 2024

ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፣ ብተጻራሪኡ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ፈጣን ሓይልታት፣ ናብ ዝቖጻጸርዎ ከባቢታት፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ክሓልፍ ከምዘይፈቅድ ገሊጹ።

እቲ ጀነራል፣ ረዲኤት ከይሓልፍ ዝኽልክል ዘሎ፣ ኣብ ዝምታን ስርቅን ንብረት ህዝቢ ተዋፊሩ ንዘሎ ፈጣን ሓይልታት፣ ብስም ህዝቢ ረዲኤት ክሓልፍ ምፍቃድ ማለት፣ ተወሳኺ ሓገዝ ምሃቦም ማለትዩ ክብል ነጺግዎ።

ነቶም ገበነኛታትኢሉ ዝገለጾም ፈጣን ሓይልታት፣ ጠቕሊሎም ክሳብ ዝጸራርግዎ ድማ ናብቲ ንሶም ዝቖጻጸርዎ ከባቢታት ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ክሓልፍ ከምዘይኮነዩ ኣስሚርሉ።

ፈጣን ሓይልታት ብወገኑ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ሱዳን፣ ህዝቢ ንከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ተቓሊዑን ተጻባዪ ረዲኤት ኮይኑን ብምህላዉ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ዓለም፣ ህጹጽ ሓገዝ ከብጽሓሉ ጻውዒት ኣቐሪቡ።

ኣብ ሱዳን፣ 10 ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ኵናት ክልተ ወትሃደራውያን ሓይልታት፣ ንኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት እታ ሃገር፣ ተጸበይቲ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ከምገበሮም ትካላት ረዲኤት የመልክታ።

ኣብታ ሃገር፣ ኣስታት 700 ሽሕ ቆልዑ፣ ንዋሕዲ መሰረታውን መኣዛዊን መግብታትን ተቓሊዖም ከምዘለ ሕቡራት ሃገራት የተሓሳስብ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0