ጂቡቲ፣ ህላዌ ሰራዊት ፈረንሳ ኣብ መሬታ ክቕጽል እንተኾይኑ ተወሳኺ ክፍሊት ትሓትት ከምዘላ ተገሊጹ

Radio Erena: Tuesday, 19 December 2023

ጂቡቲ፣ ካብ 1971 ኣትሒዙ ምስ ፈረንሳ ዝኸተመቶ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝን ህላዌ ሰራዊት ፈረንሳ ኣብ መሬታን ክቕጽል እንተኾይኑ፣ ተወሳኺ ክፍሊት ትሓትት ከምዘላ ንምንጭታት ዲፕሎማሲ ብምጥቃስ ራድዮ ፈረንሳ ገሊጻ።

ኣብ ጂቡቲ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝተደኮነ ቀዋሚ መዓስከር ዘለዋ ፈረንሳ፣ ብዛዕባ’ዚን ካልእ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝን ንምዝታይ፣ ብሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን ምክልኻልን ዝተመርሐ ላዕለዋይ ወኪላ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪን መጻብቦ ባብ ኤልመንደብን እትርከብ ስትራቴጃዊት ሃገር ልኢኻ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኣ፣ ካትሪን ኮሎና ምስ ጂቡታዊ መዘንኣ፣ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱ ኣብ ምዕባይ ምሕዝነት ክልትኤን ሃገራት ክትመያየጥ እንከላ፣ ሚኒስተር ምክልኻል ፈረንሳ፣ ስቴፋን ለኮርኑ ድማ ምስ ጂቡታዊ መዘንኡን ካልኦት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣንን ተመያይጡ።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝነበራ ወትሃደራዊ ጽልዋታት እናሰኣነቶ እትመጽእ ዘላ ፈረንሳ፣ ኣብ ጂቡቲ ዝጸንሓ ህላዌ’ውን ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ስግኣት ከምዘለዋ’ዩ ዝግለጽ።

ፈረንሳ፣ ነቲ ምስ ጂቡቲ ዝጸንሓ ስምምዕ ከተናውሕ ኣብ እትሓተሉ ዘላ እዋን፣ ጂቡቲ ድማ ወሰኽ ዓመታዊ ክፍሊት ከም ቅድመ ኩነት’ያ ኣቕሪባቶ ዘላ።

ጂቡቲ፣ ካብቲ ንፈረንሳ ብመልክዕ ክራይ ፈቒዳትላ ዝጸንሐት ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ዓመታዊ 30 ሚልዮን ክኽፈላ’ዩ ጸኒሑ።

ሕጂ ኣቕሪባቶ ዘላ ብዝሒ ወሰኽ ግና ኣይተነጸረን።

ኣብ ጂቡቲ ምብጻሕ ዘካየደ ልኡኽ ፈረንሳ፣ ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ድሕሪ ምዝርራቡ፣ እቲ ዘተ ጽቡቕን ዕንቅፋት ዘይነበሮን’ዩ ክብል እኳ መግለጺ እንተውጽአ፣ ኣብ ስምምዕ ብዛዕባ ምብጽሖም ግና ኣየነጸረን።

ፈረንሳ፣ ኣብ ጂቡቲ ኣስታት 1500 ወትሃደራት ብዝሒ ዘለዎ ቀዋሚ መዓስከር ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ብዘይካ ፈረንሳ፣ ኣመሪካ’ውን ኣስታት 4500 ብዝሒ ወትሃደርት ዘለዎ ቀዋሚ መዓስከር ኣብ ጂቡቲ ትውንን’ያ።

ቻይና ብወገና፣ ካብ መሬታ ውጻኢ ንመጀመርያ እዋና ኣብ ጂቡቲ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ክትከፍት ምኽኣላ፣ ንኣመሪካን ፈረንሳ ከሻቕለን ምጅማሩ ክሕበር ጸኒሑ’ዩ።

ኣመሪካ፣ ነቲ ብለሞንየ ዝተሰምየ መዓስከር ብዝያዳ ንምስፍሑ፣ ኣቐዲማ ምስ ጂቡቲ ተወሳኺ ስምምዓት ከምዝኸተመት ይዝከር።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0